Sunday , May 19 2024
(AP Photo/Rebecca Vassie) NAI104

ማእከል ምቁጽጻር ተመሓላለፍቲ ሕማማት፡ ዕጽዋ መፍትሒ ክኸውን ኣይክእልን እዩ ይብል

ቫይረስ ኮሮና እንከላኸለሉ ዝበለጸ መንገዲ ዕጽዋ ኣይኮነን ክብል ማእከል ምቊጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣፍሪቃ (Africa CDC) ገሊጹ። ቊጽሪ ለበዳ ንምንካይ መንግስታት ህዝባዊ ጥዕናን ማሕበራዊ ስጒምቲታትን ኣብ ምውሳድ ከም ዝርከባ እውን እቲ ትካል ወሲኹ ገሊጹ። ብዘይካዚ ክትባት ሓደ ካብዞም ናይ ምክልኻል ኣገባባት ምዃኖም እቲ ትካል ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ኣመልኪቱ።

ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ቀንዲ ምኽንያት ምስፍሕፋሕ እዚ ለበዳ፡ ኦሚክሮን ዝተባህለ ሓድሽ ጅር ኮሮና እዩ ክትብል ገሊጻ’ላ። ካብ መወዳእታ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ ብርክት ዝበላ ሃገራት ሓድሽ ማዕበለ ለበዳ ኦሚክሮን ከም እተራእየለን ዝፍለጥ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com