Friday , May 17 2024
GÄVLE 20170907 Logotypen för Region Fävleborg på en tegelfasad. Foto: Pontus Lundahl/TT kod 10050

ማእከል ጥዕና፡ ንሓደ ሕሙም፡ ዘይ ናቱ መድሃኒት ክህብ ምጽንሑ ተፈሊጡ

ብሕማም መንሽሮ ዝተጠቕዐ፡ ነባሪ ሄልሲንግላንድ (Hälsingland) ዝኾነ ሰብኣይ፡ ካብታ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዝረኽበላ ዝነበረ ማእከል ጥዕና፡ ንዓመታት፡ ጌጋ መድሃኒት ክወሃቦ ከምዝጸንሐ ምምሕዳር ያቭልቦሪ ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ ሌክስ ማሪያ፡ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

እቲ ሰብኣይ፡ ኣብ መስመር ናይ ሽንቱ፡ ቃጸሎን ቃንዛን ተሰሚዕዎ፡ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ንምርካብ ናብቲ ማእከል ጥዕና ብምኻድ፡ ናይ ሽንቲ መርመራ ከምዝገበረ ይፍለጥ። ኣብቲ ሽንቲ ዝተራእዩ ባክተርያ’ኳ እንተ ዘይነበሩ፡ ውጽኢት ናይቲ መርመራ ግን ረኽሲ ሽንቲ እዩ ብምባል፡ መድሃኒት ከምዝጅምር ተገይሩ። ንሰለስተ ዓመታት ዝኣክል፡ ነቲ መድሃኒት ክወስድ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኩነታት ጥዕንኡ ኣብ ክንዲ ዝመሓየሽ፡ እናበኣሰ ስለ ዝኸደ፡ ንዝያዳ መርመራ ናብ ካልእ ክኢላ ከምዝለኣኽ ኮይኑ። እቲ ክኢላ (urologist)፡ ዝግባእ መርመራ ድሕሪ ምክያዱ ድማ፡ እቲ ሰብኣይ ናይ ፍሕኛ መንሽሮ ከምዘለዎን እታ ፍሕኛ ብቕጽበት ከምትእለን ጌሩ።

እዚ ሕሙም፡ ክረኽቦ ዝግባእ ዝነበረ ግቡእ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ብምድንጓዩ ዘጉህን ዘጣዕስን ብምዃኑ፡ ዝምልከቶ ኣካል፡ ነዚ ጉድይ ንክርእዮ ብምባል፡ ጸብጻብ ሌክስ ማርያ ክንጽሕፍ ተገዲድና ኣለና ክብል ኣብ ምምሕዳር ያቭልቦሪ፡ ሓለቓ ሓካይም ዝኾነ ቶሚ ሉንድማርክ፡ ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ ዋዕላ፡ ገሊጹ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com