Friday , May 17 2024
MacKenzie Scott (Photo by Evan Agostini/Invision/AP, File) NYPH803

ማኬንዚ ስካት: 2.7 ቢልዮን ዶላር፡ ሓገዝ ለጊሳ

በዓልቲ ቤት ንመስራቲ ኣማዞን ጄፍ ቤዞስ ነበር፡ ቢልዬነር ማከንዚ ስካት፡ ተወሳኺ 2.7 ቢልዮን ዶላር ንዝተፈላለያ ትካላት ረድኤት ከም ዝለገሰት ተገሊጹ።

ንሳ ኣብ ብሎጋ ኣብ ዝለጠፈቶ ዜና፡ እዚ ገንዘብ፡ ነቶም ሓገዝን ምወላን ከይረኸቡ ዝጸንሑ ክመቓራሕ እዩ ኢላ። ብፍላይ ድማ ኣብ ዓሌታዊ ዘይምዕሩይነት ስነጥበብን ትምህርቲን ኣተኲረን ዝሰርሓ 286 ትካላት ረድኤት ነዚ ዕላማ መሪጻ ምህላዋ ወሲኻ ገሊጻ’ላ። ዝበዝሐ ካብ ሃብታ ምስ ቤዞስ ድሕሪ ምፍታሓ ዝወረሰቶ እዩ። ቤዞስ ኣብዚ ግዜ’ዚ፡ ኣብ ዓለምና ዝሃብተመ ሰብ ምዃኑ ዝፍለጥ እዩ። ከም ኣካል ናይዚ ውዕል ወይዘሮ ስካት፡ 4% ካብቲ ኣብ ምምስራቱ ተራ ዝነበራ ብርኪ ኣማዞን ምውራሳ እዩ ዝንገር። እዛ ደራሲት ምዃና ዝንገረላ በዓልቲ ሃብቲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ፡ 4 ቢልዮን ዶላር ኣብ ደቀንስትዮ ኣተኲረን ንዝሰርሓ ትካላት ረድኤት ምልጋሳ ኣብ ጽሑፋ ዘኪራ’ላ።

ሃብቲ ዓለም፡ ኣብ ውሑዳት ሰባት ተኣኪቡ ክተርፍ የብሉን ብዝብል መትከል ኢና ንድረኽ ዘሎና ክትብል ኣብ ብሎጋ ምልጣፋ እውን ጸብጻብ ቢቢሲ የመልክት።

ወይዘሮ ስካት፡ ሓንቲ ካብተን ናይ ዓለምና ዝሃብተማ ደቀንስትዮ እያ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com