Sunday , May 19 2024
Russian President Vladimir Putin listens to French President Emmanuel Macron during a via video conference at the Novo-Ogaryovo residence outside Moscow, Russia, Friday, June 26, 2020. (Mikhail Klimentyev, Sputnik, Kremlin Pool Photo via AP) XAZ104

ማክሮን ምስ ፑቲን፡ ብጉዳይ ዩክሬይን ተመያይጡ

ናይ ፈረንሳ ፕረዚደንት፡ ኢማኑኤል ማክሮን፡ ምስ ናይ ሩስያ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሞንጎ ዶባት ዩክሬንን ሩስያን ተፈጢሩ ዘሎ ውጥረት ኣመልኪቱ ብቴለፎን ከምዝተዘራረበ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
እቶም ክልተ መራሕቲ፡ ንኻልእ ዛዕባታት ወሲኾም፡ ብዛዕባ እቲ ካብ ዓመተ 2015 ጀሚሩ ዝጸንሐ ናይ ምንካይ ስምምዕ (Reduction Agreement) ተባሂሉ ዝፍለጥ መስርሕ ኣመልኪቶም ብዛዕባ ምቕጻል ናይቲ ዘተ፡ ናይ ትግበራ ተዘራሪቦም።
እቲ ብሰኑይ ዝነበረ ናይ ቴሌፎን ዝርርብ፡ ማክሮን ምስ ናይ ሩስያን ናይ ዩክሬይንን መዘናታቱ ከም መቐጸልታ ናይቲ ተፈጢሩ ዘሎ ውጥረት ኣብ ምህዳእ ዝግበሩ ዘለው ጻዕሪታት ንምድጋፍ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ’ሎ።
“እቶም መራሕቲ ብዛዕባ ኣብቲ ጉዳይ ናይ ዩክሬይን ኮምኡ’ውን ብዛዕባ ንሩስያ ብሕጊ ዝቕይድ ናይ ነዊሕ እዋን ናይ ጸጥታ ዋሕሳት ኣብ ምሃብ ብዝምልከት ዘለዎም ርእይቶታት ኣቕሪቦም” ክብል ካብ ክረምሊን ዝወጸ መግለጺ ሓቢሩ።
መንግስቲ ፈረንሳ፡ ኣብቲ ፑቲንን ማክሮን ዝነበሮም ልዝብ ክልቲኦም ድሕሪ እቲ ኣብ ሞንጎ ተወከልቲ ናይ ፈረንሳ፣ ጀርመንን ዩክሬይንን ዝተኻየድ ዝርርብ ስዒቡ ነቲ ካብ ዓመተ 2015 ዝነበረ ‘ናይ ምንካይ ስምምዕ’ ተባሂሉ ዝፍለጥ መስርሕ ብዝምልከት፡ ነቲ ምቕጻል ዘተ ናይ ትግበራ “ኣዎንታዊ ምዕባለ” እዩ ብምባል ሓንጎፋይ ኢሎም ከምዝተቐበሉዎ ገሊጹ’ሎ። ኣብቲ እዋን’ቲ፡ ሩስያን ዩክሬይንን ንኻልኦት ናይ ተኹሲ ደው ምባል ስምምዓት ወሲኾም፡ ኣብቲ ከባቢ ድፋዓት ዝነበሩ ከበድቲ ኣጽዋራት ንኸውጽኡን ኣብቶም ናይ ምፍንጫል ዝንባለታት ዝረአዮም ከባቢታት ናይ ዶንባስ ድማ መረጻታት ንኸካይዱ ተሳማሚዕም ከም ዘነበሩ ዝዝከር’ዩ።
ምዕራባውያን ካብ ቀረባ እዋን፡ ሽሕ’ኳ ሞስኮ ነቲ ሕምየታት እንተነጸገቶ፡ ፍርሒ ናይ ዘይተርፍ ዝመስል ወራር ናይ ዩክሬይን ብሩስያ ከምዝዓሰሎም ዝፍለጥ’ዩ። ሩስያ ብወገና፡ ነቲ ክሲ ክትነጽጎ እንከላ፡ ፕረዚደንት ናይ ዩክሬይን፡ ቮሎድሚር ዘሌንስኪይ ድማ፡ እቲ ኣብ ዶብ ዝረአ ዘሎ ዘይምርግጋእ፡ ራዕድን ሽበራን ንኸይፈጥር ስግኣቱ ገሊጹ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com