Saturday , May 18 2024

ማዕከናት ዜና ሽወደን ንሎቬን ይነቕፋ።

ቃለ መሕተት ከነካይድ ኣብ ንደልየሉ እዋናት ክንረኽቦ ኣይከኣልናን ኣብ ሽወደን ካብ ዝርከባ ሸሞንተ ዓበይቲ ማርበባት ሓበሬታ እተን ሽዱሽተ ኣብ እዋን ቅልውላው ኮሮና ምስ መርበባት ሓቤሬታ ዝኽተሎ ዘሎ ኣካይዳ ኣመልኪተን ንሎቬን ከምዝነቐፋ ተሓቢሩ። ኣብ እዋን ቅልውላው ኮሮና፡ ሎቪን ምስ ማዕከናት ሓበሬታ እኹል ዝኾነ ርክባት ከምዘየካየደ በቲ ሬድዩ ሽወደን ዘካየዶ ዳህሳስ መሰረት እተን ሽዱሽተ ካብተን ሸሞንተ ዓበይቲ ማዕከናት ሓበሬታ ከምዝተሰማማዓሉ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ዝተኻየደ ዳህሳስ፡ ሬድዩ ሽወደን፡ TV4፡ ሬድዩ ኢኮት፡ ኣፍቶንብላደት፡ ኤክስፕረሰን፡ ስቬኒስካ ዳግብላደት፡ ዳገንስ ንሄተርን ማዕከን ዜና ሽወደንን ተሳቲፈን። ኣብቲ ዝተገብረ ዳህሳስ፡ ገለ ሓለፍቲ ናይዘን ማዕከናት ከምዚ ይብሉ፦

• ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ከምቲ ዝድለ ክርከብ ኣይክእልን እዩ።

• ብጀካ ኣብ ጋዜጣዊ ዋዕላ ኣብ ካልእ እዋናት ንክንረኽቦ ዕድል የብልናን

• ኣብ እዋን ቅልውላው ኮሮና፡ ሕቶታት ንኽምልስ ብዘይምርካቡ ኣስደማሚ ኩነት ኮይኑና ኣሎ ክብሉ ተዛሪቦም። ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ንቃለ መሕተት ድልዉ ነይሩ። ንሱ ውን 24 ሰዓታት ጥራይ ኢዩ ዘለዎ ክብላ ሬድዮ ኢኮትን ኣፍቶንብላደትን ተዛሪበን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com