Saturday , May 18 2024

ሜትሮሎጂ፡ ህቦብላ ዝዓብለሎ ዝናብን ባርዕ ጫካታትን ከጋጥም ከምዝኽእል ሓቢሩ

ድሕሪ ልዑል ዝኾነ መጠን ሙቐትን ክረምታዊ ክሊማን፡ ክፍሊ ሜትሮሎጂ ሽወደን፡ ኣብ ዝቕጽል መዓልታት ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ሽወደን ህቦብላ ዝዓብለሎ ዝናብ ክህሉ ከምዝኽእል ኣሚቱ።

ካብ ምብራቕ ጎትላንድ ክሳብ ሰሜናዊ ከባቢታት ዝዝርጋሕ ዛሕልን ህቦብላ ዝዓብለሎ ዝናብን ክህሉ ከምዝኽእል ክኢላ ኩነታት ኣየር፡ ሙዋ ሃሊልበሪ፡ ምስ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝገበረቶ ርክብ ገሊጻ።

ብመሰረት ክፍሊ ሜትሮሎጂ ሽወደን፡ ኣብ ምብራቓዊ ኣከባቢ ብሰንኪ ሓያል ዝናብ ዕልቕልቕ ከጋጥም ከምዝኽእል ሓቢሩ።

ብክፍሊ ሜትሮሎጂ ሽወደን (SHMI) ዝወጸ መጠንቀቕታ፡ ኣብ መታሕት ዕልቕልቕን ኣብ መስመራት ረሳሕ ማይ ድም ጸገማትን ክፈጥር ከምዝኽእል ንምሕባር እዩ ነይሩ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሽወደን፡ ህቦብላ ዝዕብለሎ ዝናብን ዕልቕልቕን ከጋጥም ከምዝኽእል መጠንቀቕታ እኳ እንተተመሓላለፈ ብመንጽሩ ድማ ኣብ ጫካታት፡ ሓደጋ ባርዕ፡ ብፍላይ ኣብ ከባቢታት ስቶክሆሎም፡ ጎትላንድን ስኮናን  ከጋጥም ከምዝኽእል ክፍሊ ሜትሮሎጂ ሽወደን ሓቢሩ ኣሎ፡


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com