Sunday , May 19 2024

በዓል መዚ ሜትሮሎጂ ሽወደን ንዝህሉ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ በረድ የጠንቕቕን ስባት ኩነታት ርእዮም ክንቀሳቀሱን ይሕብር።

በዓል መዚ ሜትሮሎጂ ሽወደን  ብዛዕባ ኣብዘን ዝስዕባ መዓልታ ዝኽሰት ዝክእል በረድ  ቀዳማይ ደርጃ ኢሉ ዝሰርዖ ቦታታት ብምንጻር ምንሽርታት ከጋጥም ስለ ዝኽእል  ሰባት ኣብ ጉዕዝኦም ዝያዳ ጥንቓቐ ክገብሩ ምኽሩ ለጊሱ። በዚ መሰረት በዓልመዚ ትራንስፖርት ሽወደን ንዝያዳ ውሕስነት ሰባት ኣብ ገዝኦም ተጸንሑ ተመራጺ እዩ ይብል ብምውሳኽ።

ሎሚ ሓሙስን ዓርብ  በረድ ካብ ዝርኣየሎም ቦታታት ምስራቓዊ ክፋል ኖርላንድ ስቨላንድ ከምእውን ገላ ክፋል ጎትላንድ ኮይኑ ቀዳማይ ደረጃ መጥንቐቕታ ዝተወሃበን ቦታታት ድማ ያቭለቦሪ፡ ዳላርና፡ ኡብሰላ ፡ ቫርምላንድ፡ ስቶኮልም፡ ኦረብሮ፡ ኦስተርጎትላንድ፡ ቬስትማንላንድ፡ ሶደርማልምላንድ፡ ዮንሾፒንግ ከምእውን ቪስተርጎትላንድ እየን።

ብተመሳሳሎ በዓልመዚ ትራንስፖርት ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ጸብጻብ ሓደጋታት መኪና ንምንካይ ነዚ ኩነታት ኣየር ይከታተልዎ ከምዘሎዉ ምስ በዓል መዚ ሜትሮሎጂ ሽወደን  ብሙኻን ሓደጋታት ምንሽርታት ንምንካይ ዝክኣሎም ጻዕሪ ከምዝገብሩ ሓቢሮም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com