Sunday , May 19 2024
Karlstad 20201028 En skylt varnar för corona och uppmanar patienter att inte gå in i sjukhuset vid enten till Centralsjukhuset i Karlstad i Värmland. Foto Fredrik Sandberg / TT kod 10080

ምልክታት ኮቪድ-19 ምስ እተርኢ: እንታይ ክትገብር ይግባኣካ? !

ካብ ኣገልግሎት ዜና ተተ እተረኽበ ምልክታት ኮቪድ-19 ምስ እተርኢ እንታይ ክትገብር ይግባኣካ ዝብል ሓድሽ መምርሒ ስዒቡ ክቐርብ እዩ።

ምሉእ ክትባት ዝረኸቡ ሰባት ኣብ ቤቶም ምጽናሕ እምበር ምምርማር ኣየድልዮምን እዩ።

እቶም ምሉእ ክትባት ዝረኸቡን ዘይረኸቡን ብዝመልከት ወኪል ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ሓድሽ ለበዋታት ኣመሓላሊፉ’ሎ። እዚ መምርሒታት ካብ 1 ሕዳር ኣትሒዙ ተግባራዊ ክኸውን እዩ።

ምሉእ ክትባት ዝረኸቡ ወይ ኣብ ዝሓለፋ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኮቪድ ከም ዘለዎም ዝፈለጡ ቆልዑ ኮተቴን ዓበይቲን እዚ ምልክታት እንተ ኣርእዮም መርመራ ምግባር ኣየድልዮምን እዩ። እዚ መምርሒ ንዘይተኸትቡ ትሕቲ ሽዱሽተ ዓመት ዝዕድሜኦም ቆልዑን ትምህርቲ ዘይጀመሩን ዝምልከት እዩ። እቶም ትምህርቲ ዝጀመሩ ግና ዝተኸትቡ ቆልዑ እዞም ምልክታት ምስ ዘርእዩ ኣብ ቤቶም ክውሰኑ እዚ መምርሒ ተላብዩ’ሎ።

ረስኒ ን 24 ሰዓታት ምስ ዝሓድጎም እቶም ኣብ ቤቶም ዝጸንሑ ናብ ኣብያተ ትምህርቶምን ስርሖምን ክምለሱ ይኽእሉ እዮም ክብል ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ገሊጹ’ሎ።

እንተኾነ ግና ምሉእ ክትባት እውን ወሲዶም እናሃለዉ ክምርመሩ ዝግብኦም ጒጅለታት ኣለዉ። እዚ ብፍላይ ንሽማግለታትን ኣብ ቤት መእለዪ ዘለዉ ከምኡውን ካብ ሃገራት ኖርዲክ ወጻኢ ተጓዒዞም እዞም ምልክታት ንዘምጽኡ ይምልከት።

ምሉእ ብምሉእ ዘይተኸትቡን ቅድመ ትምህርቲ ዘለዉ ቆልዑን ኣብ ቤቶም ክውሰኑን ብዝተኻእለ ፍጥነት ክምርመሩን ይግባእ።

እቶም ድሕሪ መርመራ ናጻ እተባህሉ እንድሕሪ ካብ ረስኒ ናጻ ኮይኖም ዋላ ናይ ምስትንፋስ ጸገም እውን እንተሃለዎም ናብ ስርሖምን ትምህርቶምን ክምለሱ ይኽእሉ እዮም።

እቶም ድሕሪ መርመራ ናጻ እተባህሉ ኣብ ቤቶም ክጸንሑ ኣለዎም።

እቲ ምልክት ካብ ዝጅምር ንደሓር እንተወሓደ ንሽወዓተ መዓልታት ኣብ ቤቶም ዝጸንሑን እቲ ሕማም ከም ዘለዎም እተረጋገጹን ሰባት፥ ንክልተ መዓልታት ካብ ረስኒ እንድሕሪ ናጻ ኮይኖምን ጥዕና ይስምዖም እንተሎን ናብ ስርሖምን ትምህርቶምን ክምለሱ ይኽእሉ እዮም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com