Friday , May 17 2024
Sveriges riksdag. Foto: Carl-Olof Zimmerman/TT kod 12050

ምሕደራ ሽወደን . . . ካልኣይ ክፋል . . . መንግስቲ ሽወደን ኣብ ተግባር (ምሕደራ ናይ መንግስቲ ሽወደን)

መንግስቲ ሽወደን፡ ንምዕባለ ናይ ሕብረተሰብ ዝጸልዉ ሕግታት ዝሕገጉሉን ዝማሓየሽሉን ኣገባብ ዝመርሕን ዘማሓድርን ወሳኒ ሓይሊ እዩ። ይኹን እምበር፡ ተጸዋዕነት ናይ መንግስቲ፡ ናብ ባይቶ ሽወደን ኮይኑ፡ ነቶም ዝነደፎም ፖሊሲታቱ ንኽትግብር፡ ናይ ግድን ድጋፍ ናይቲ ባይቶ የድልዮ።

እቲ መንግስቲ ነዞም ዝስዕቡ ጉዳያት ሓዊሱ ነታ ሃገር የማሓድርን ይመርሕን፡

• ሕጊ-ተንከፍ ዝኾኑ እማመታት ናብቲ ፓርላማ የቕርብ

• ብባይቶ ሽወደን ዝጸደቑ ውሳኔታት የተግብር

• ብባይቶ ሽወደን ዝጸደቐ ውሳኔ ባጀት፡ ሓላፍነት ይወስድ

• ኣብ ቅድሚ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ንሽወደን ወኪሉ ይቐርብ

• ምስ ካልኦት ሃገራት ውዕላት ይኣቱ

• ንጥፈታት ማእከላይ መንግስቲ ይመርሕ

• ብኻልኦት ትካላት ዘይሽፈኑ ሓደሓደ ናይ ምሕደራዊ ውሳኔታት ይውስን

መንግስቲ ከተኣታትዎም ዝደሊ ሓደስቲ ለውጥታት ዝትግበሩ፡ ብሕጋዊ እማመታት ወይ ድማ መንግስታዊ ውሳኔታት (Government bills) መልክዕ ኣቢሎም ንኽጸድቁ፡ ናብ ባይቶ ሽወደን ድሕሪ ምቕራቦም ይኸውን። ብተወሳኺ’ውን እቲ መንግስቲ ባጀት ናይቲ ማእከላይ መንግስቲ ናይ ምድላው ሓለፍነት ኣለዎ።

ባይቶ ሽወደን፡ ነቲ ብመንግስቲ ዝቐረቡ ሓደስቲ ሕግታት ወይ ድማ ባጀት ናይቲ ማእከላይ መንግስቲ፡ ዝኣመሰሉ ጉዳያት ኣመልኪቱ ውሳኔ ምስ ሃበ፡ ነቲ ውሳኔ ናይ ምትግባር ሓላፍነት ናይ መንግስቲ ይኸውን። ሓደ ዝኾነ ሓድሽ ዝወጸ ሕጊ፡ ንዜጋታት ሓድሽ መሰል እንድሕር ሂቡ ወይ ድማ ሓድሽ እገዳ እንድሕር ኣንቢሩ፡ እዚ’ውን ነቲ እታ ጉዳይ ዝምልከቶ ናይ መንግስቲ ትካል፡ ሓድሽ ሓላፍነት ሂቡ ንምትግባሩ ክከተታል ሓላፍነት ይስከም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com