Saturday , May 18 2024

ምሕጻብ ኣስናን

ጥዑያት ኣስናንን ኮራርምትን ንጥዕናኻ ኣዝዮም ኣገደስቲ እዮም። መግቢ ብግቡእ ንምሕያኽን ብቐሊሉ ንምውሓጥን ጥዑያት ኣስናንን ኮራርምትን
የድልዩኻ። ነፍስወከፍ መዓልቲ ኣስናንካ፡ ኮራርምትኻ፡ ግርጻንካን መልሓስካን ኣስናን፣ ኮራርምቲ፥ ግርጻንን መልሓስን ኣጽርዮ። ብኸምኡ ከኣ ብሱዓት ኣስናን/ብኽባዀን
ዝነድረ ግርጻንን ኣይህልወካን። ብሓደ ኣስባስላ-ስኒ ወይ ሓደ ኤለክትሮኒካዊ ኣስባስላ-
ስኒ ሕጸቦ። ክልተ ግዜ ኣብ መዓልቲ ንክልተ ደቓይቕ ኣስናካን ኮራርምትኻንሕጸቦ። ናይ ስኒ ብዕካኽን ትርፍራፍ ናይ መግብን እለዮ። ብዕካኽ ስኒ ብዙሓት ባክተርያ ዘለውዎ ኣብ ኣስናንካ ዘሎ ሓደ ቀጸላ እዩ። ብሰንኪ ብዕካኽ ስኒ፣ ብሱዓት ኣስናንን (ብኽባዀ) ከምኡ እውን ነድሪ ግርጻንን ይህልወካ።
ሓደ ፍሎራይድ ዘለዎ ሳሙና-ስኒ ተጠቐም። ኣብቲ መዐሸጊ እቲ ሳሙና-ስኒ ፍሎራይድ ኣለዎ እንተኾይኑ ዝገልጽ ሓበሬታ ኣሎ። ፍሎራይድ ንሽፋን ናይ ኣስናንን ኮራርምትን ተረርቲ ከም ዝኾኑ ይገብር። ሽፋን-ስኒ ንኣስናንካን ኮራርምትኻን ይከላኸል። ከም በዓል ኮ ኳ ኮላ ዝኣመሰሉ መጸጽቲ መስተታት ድሕሪ ምስታይ ወይ መጸጽቲ መግብታት ከም በዓል ለሚን ድሕሪ ምብላዕ
ኣስናንካ ካብ ፍርቂ ሰዓት ክሳብ ሓደ ሰዓት ድሕሪ ምጽባይ ሕጸቦ። መጺጽ ነገር ድሕሪ ምብላዕ ወይ ምስታይ ብቐጥታ ኣስናንካ እንተ ሓጺብካዮ እቲ ናትካ ሽፋን-ስኒ ይጠፍእ።

ምንጪ: Eritreeërs Gezond


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com