Friday , May 17 2024
Foto: Johan Nilsson / TT / Kod 50090

ምምሕዳራት ስቶክሆሎምን ስኮነን፡ ንልዕሊ 25 ዓመት ዝዕድሚኦም፡ ክታበት ጀሚረን

ምምሕዳር ስቶክሆሎም፡ ነቶም ኣብ ዓመተ 1991 ን ቅድሚኡን ዝተውልዱ  ነበርቲ እቲ ምምሕዳር፡ ካብ ሰሉስ ጀሚሮም ክታበት ኮቪድ-19 ንምርካብ፡ ብመንገዲ ኣልቲድ ኦፐት ዝተሰምየ መርበብ ሓበሬታ (App Alltid Öppet) ወይ ድማ መስመር ተሌፎን ተጠቂሞም ቆጸራ ክሕዙ ከምዝኽእሉ  ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ኣስታት 1.1 ሚልዮን ዝኾኑ ካብ ነበርቲ እቲ ምምሕዳር፡ እንተወሓደ ሓደ እብረ ክታበት ተኸቲቦም ከምዘለዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ድማ 58% ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ነበርቲ ዝሽፍን ኮይኑ፡ ካብዚኣቶም እቶም 32% ክልተ እብረ ክታበት ዝተኸትቡ እዮም ክብል እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።

ምምሕዳር ስኮነ ብወገኑ፡ ንኹሎም ኣብ 1996 ን ቅድሚኡን ዝተወልዱ ኣስታት 80 ሽሕ ዝኾኑ ነበርቲ እቲ ምምሕዳር፡ ካብ ሮቡዕ ጀምሮም፡ ክታበት ኮቪድ-19 ንምርካብ፡ ቆጸራ ክሕዙ ከምዝኽእሉ ሓቢሩ።

ንክታበት ዘሎ ቅሩብነት ናይዞም ኣብ ክሊ ዕድመ 25 ክሳብ 29 ዓመት ዝርከቡ ነበርቲ፡ ነቲ ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ክጅመር ዝተወጠነ መደብ ክታበት ናይ ልዕሊ 18 ዓመት ዝጸሉ ምዃኑን እቶም ቅድሚ ሕጂ ክኽተቡ ዝግበኦም እሞ ዘይተኸትቡ ሰባት፡ ቆጸራ ክሕዙ ከምዝግባእ፡ ኣወሃሃዲት ክታበት ምምሕዳር ስኮነ፡ ማሪያ ላንድግረን፡ ገሊጻ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com