Friday , May 17 2024

ምምሕዳራት ከተማ፡ ቀይድታት ምብጻሕ እንዳ ዓበይቲ ከፍኩሳ ይሕተታ

ምምሕዳራት ከተማ ሽወደን፡ ቀይድታት ምብጻሕ ናብ እንዳ ዓበይቲ ዝምልከት ንኾፍኩሳ በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ብመንገዲ ሞሊን ግራቢ ሓቲቱ ክብል መርበብ ሓበሬታ SVT ኣቃሊሑ።

ከም ዝፍለጥ፡ ሽወደን፡ ካብ ወርሒ ሚያዝያ ክሳብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ናብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ምብጻሕ ከልኪላ ምንባራ ይዝከር። ብድሕሪ’ዚ እቲ ሓላፍነት ንበዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ተዋሂቡ፡ ቀይድታት ምብጻሕ፡ ብደረጃ ጠለብ እተን ምምሕዳራት ከተማ ከምዝውሰን ኮይኑ።

ካብ 290 ምምሕዳራት ከተማ ሽወደን፡ እተን 40 ዝኾና፡ ምስፍሕፋሕ ኮሮና ንምውጋድ፡ ናብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ምብጻሕ ዝኸልከላ እየን። በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ እዚ ቁጽሪ፡ ክጎድል ከምዝደሊ ሓቢሩ። ድሕሪ ክታበት፡ ናብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ምብጻሕ ዝኽልክል ቀይድታት ኣብ ውሑዳት ምምሕዳራት ከተማ ክጸንዕ ተስፋ ንገብር ክትብል፡ ግራቢ፡ ገሊጻ።

ድሕሪ ክታበት፡ ናብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ምብጻሕ ይከኣል ድዩ ንዝብል ዝቐረበ ሕቶ፡ እቲ ውጽኢት ናይቲ ክታበት፡ ማለት፡ ካብ ለበዳ ድዩ ዝከላኸል ወይስ ነቲ ሓደገኛ ዝኾነ ምልክታት እዩ ዝቃወም፡ ክሳብ ሕጂ ዝተፈልጠ ነገር የለን ክትብል ግራቢ ትሕብር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com