Monday , May 20 2024
Credit: Johan Nilsson/TT

ምምሕዳራት ከተማ ን ክራይ ዝኸፍላኦ ዘለዋ መጠን ገንዘብ ኣብዚ ዓመት ኣዝዩ ይውስኽ።

ምምሕዳራት ከተማ ን ክራይ ኣባይቲ ዝኸፍላኦ ዘለዋ መጠን ገንዘብ፥ ኣብዚ ዓመት ኣዝዩ ምውሳኹ ተፈሊጡ። በዚ ድማ ኣብ
ኲባንያታት ሪል እስቴት ወጻኢ ዝምርኮሱ፥ ኣብ ኣዝዩ ተኣፋፊ ኲነታት ምህላዎም ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ዘካየዶ ዳህሳስ
ኣመልኪቱ። ኣብ ሉሌያ፡ ኣብዚ ዓመት ኣብ ኣባይቲ ሽማግለታት ዝተገብረ ወሰኽ ክራይ ን 30 ናይ ምሉእ ግዜ ነርስታት እቲ ትካል
ደሞዝ ክከፍል ዝኽእል መጠን ምዃኑ፥ ሬድዮ ሽወደን ኣመልኪታ። “ብሰንኪ ዝቕባበ ተኸሲቱ ዘሎ ወሰኽ ዋጋታት፡ ምስ ክብሪ
ክራይ ኣባይቲ ተወሰኹ፥ ኣሸጋሪ ኲነታት ክፈጥር ይኽእል እዩ’ ክትብል ኣብ ማሕበር ሰብመዚ ውሽጢ ሃገርን ዞባታትን ዋና ክኢላ
ስነቚጠባ ኣኒካ ዋሌንሾግ ገሊጻ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com