Sunday , May 19 2024

ምምሕዳር ስቶክሆልም፡ ኣንቢርዎ ዝጸንሐ ኣዋጅ እዋን ህጹጽ ሓደጋ ከም ዘልዓሎ ሓቢሩ

በዓል መዚ ኣሃዱ ጥዕና ስቶክሆልም፡ ኣንቢርዎ ዝጸንሐ ኣዋጅ እዋን ህጹጽ ሓደጋ (Stabsläge) ከምዘልዓሎን ስራሓት ድማ ናብ ንቡር ኩነታቶም ከምተመልሱ ሓቢሩ ክብል SVT ኣመሓላሊፉ።

ኣብ ምምሕዳር ስቶክሆልም፡ መጠን መልከፍቲ ኮሮና ብምንካዩ፡ ኣብ መላእ ሆስፒታላት ናይታ ምምሕዳር ኣስታት 30 ሰባት ጥራይ ብሕማም ኮቪድ-19 ዝተጠቕዑ ምህላዎም፡ እቲ ዝጸንሐ ኣዋጅ እዋን ህጹጽ ሓደጋ (Stabsläge) ከም ዘብቅዐ ሓላፊ ኣሃዱ ጥዕና ስቶክሆልም፡ ቢዮሪን ኤሪክሰን ሓቢሩ።

እቲ ዝጸንሐ ኣዋጅ ምልዓሉ፡ ሕብረተ ሰብ ሽወደን፡ ክዛነ ከምዘይብሉን ንመምርሒታት ኣሃዱ ጥዕና፡ ብጥብቂ ክከታተሎም ከምዝግባእ፡ ኤሪክሰን፡ ገሊጹ።

ኣድላይ እንተ ኮይኑ፡ ምምሕዳር ኣሃዱ ጥዕና ሽወደን፡ ከምእንደገና ነቲ ዝተላዕለ ኣዋጅ ከተግብሮ ከምዝኽእል ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com