Sunday , May 19 2024

ምምሕዳር ኡፕሳላ፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ንምቁጽጻር፡ ከባብያዊ ቀይዲ ንምጽናዕ ትብገስ

ሓላፊ ኣሃዱ ጥዕና ምምሕዳር ኡፕሳላ፡ ነቲ ንምቁጽጻር ለበዳ ኮሮና ተባሂሉ ብበዓል መዚ ጥዕና ሽወደን ዝተመሓላለፈ፡ ምጽናዕ ከባብያዊ ቀይድታት፡ ዝብል እማመ ከምዝተቐበሎ፡ ገሊጹ።

ኣብ ምምሕዳር ኡፕሳላ ዝረአ ዘሎ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና፡ ኣብ ኣሰካፊ ኩነታት ስለዝርከብ፡ ለበዳ ንምቁጽጻር ዘኽእለና ስልጣን ክንረክብ ይግባእ ክብል ሚካኤል ኮለር ሓቢሩ።

ከባብያዊ ቀይዲ ንምጽናዕ ዝወሃብ ስልጣን፡ እዞም ዝስዕቡ ንኽፍጽም ፍቓድ ይወሃቦ

  • ምውጋድ ምጥቃም ህዝባዊ መጓዓዝያታት
  • ኣገደስቲ ካብ ዘይኮኑ፡ ካብን ናብን ምምሕዳር ዝግበሩ መገሻታት ምቑጣብ
  • ኣብ ንግዳዊ ትካላት፡ ናይ ሸቐጥ ማእከላት፡ ኣብያተ መዘክር፡ ኣብያተ ንባብን ህዝባዊ ሽንቲ ቤታትን ዝግበሩ ምንቅስቓሳት ብጥብቂ ምክትታል
  • ናብ ቤት ምግብታት፡ ባራትን እንዳ ሻሂ ምኻድ ዝኽልክል
  • ምስ ምሳኻ ዘይነብሩ ሰባት ኣካላዊ ርክብ ንኸይግበር  
  • ሰዓታት ስራሕ ምስትኽኻልን ካብ ገዛ ንምስራሕ ምትብባዕን

ንከባብያዊ ቀይዲ ንምጽናዕ ዝምልከት ውሳነ፡ ኣብ ዕለት 19/10/2020 ክመሓላለፍ ትጽቢት ይግበር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com