Sunday , May 19 2024

ምምሕዳር ዳላርና፡ ሓገዝ ናይ ምሕታት መድረኽ በጺሓ

ኣብ ምምሕዳር ዳላርና፡ መጠን ምስፍሕፋሕ ለበዳ ብምውሳኹ፡ ኣብቲ ቦታ ዝርከባ መደበራት ጥዕና፡ ጸቕጢ ይበዝሐን ብምህላዉ እቲ ኩነታት ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝበኣሰ ይሰጋገር ስለዘሎ፡ ናይ እዋን ሓደጋ ስምምዕ ብምጅማር፡ ሓገዝ ናይ ምሕታት መድረኽ ምብጽሑ ኣፍሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ቁጽሪ ናይቶም ናብ ኣገልግሎት ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል፡ ዝመጹ ሕሙማት፡ እናወሰኸ ብምምጽኡ፡ ተወሰኽቲ ዓራውትን ኣለይትን ክቖጽር ምዃኑ ዳይሬክተር ኣገልግሎት ጥዕና’ቲ ምምሕዳር፡ ካሪን ስቲኮ፡ ኣብ ዘካየደቶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢራ።

ብጀካ ምምሕዳር ዳላርና፡ ከም ምምሕዳራት ያቭለቦሪ፡ ኦፕሳላ፡ ቬስተርቡተን፡ ዮንሾፒንን ካልማርን ውን ኣቐድም ኣቢለን ናይ እዋን ሓደጋ ስምምዕ ከም ዝጀመራ ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com