Saturday , May 18 2024

ምስ ቅትለት እታ ጓል 12 ዓመት ቆልዓ ምትሕሓዝ ክህልዋ ዝኽእል ዝተቓጸለት መኪና ተረኺባ

ኣብ ከባቢ ሶለንቱና፡ ሰሜን ስቶክሆልም፡ ሓንቲ ዝተቓጸለት መኪና ብፖሊስ ከምተረኽበት ተፈሊጡ። እዛ መኪና፡ ኣብ ቅትለት ጓል 12 ዓመት ቆልዓ ዝተሳተፈት መኪና ክትከውን ከምትኽእል፡ ፖሊስ ግን ንመንነት እታ መኪና ዝምልከት መግለጺ ከምዘይሃበን፡ ኣብ ተክኒካዊ መርመራታት ተጸሚዱ ከምዘሎን TT ገሊጹ።

ፖሊስ’ቲ ከባቢ፡ ብዛዕባ እታ ፈጸምቲ ገበን ቅትለት ዝተጠቀሙላ ጥርጥርቲ መኪና ኣመልኪቱ ትማሊ ስእሊ ዘርጊሑ ከምዝነበረ ዝፍለጥ እዩ። እዛ መኪና ድማ ምስቲ ዘለና ሓበሬታታት መጻምድቲ ድያ ኣይኮነትን፡ ክንምርምር ኢና ክብል ወሃብ ቃል ፖሊስ ስቶክሆልም ዝኾነ ማትስ ኤሪክሶን ሓቢሩ።

እዛ ኣብ ከባቢ ሶለንቱና ተቓጺላ ዝተረኽበት መኪና፡ ምስታ ካብ ካሜራታት ማክዶናልድ ዝተረኽበት ስእሊ ናይ ኮምቢ ዝዓይነታ መኪና ብዙሕ ምምስሳል ከምዘለዋ ምንጭታት ምሕባሮም ተፈሊጡ ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com