Monday , May 20 2024

ምስ ካልኦት ሃገራት ብምውድዳር ጎማ መካይን ዳግማይ ኣብ ጥቕሚ ምውዓል (ሪሳይክል) ኣብ ምግባር ሽወደን ንድሕሪት ምትራፋ ተገሊጹ።

ሽወደን ካብ ዝተጓሕፋ መካይን ዝርከብ ፕላስቲክ ሪሳይክል ኣብ ምግባር ምስ ካልኦት ሃገራት ብምውድዳር ብድሕሪት ተሪፋ ኣላ ክትብል ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ’ላ። ብመሰረር ውድብ ሪሳይክሊንግ መካይን ፌቡላቶ ፋብሪካ ከምዚ ዝበለ ኣሰራርሓ ኣኽሳቢ ኣይኰነን። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ገዛእቲ እቲ ሪሳይክል ዝግበር ባእታ ስለዘይርከብ እዩ ክብል ኣካያዲ ስራሕ ኢንዱስትሪ መኪና ብወርሒ ታሕሳስ ገሊጹ ምንባሩ ሬድዮ ሽወደን ዘኪራ።

ንሱ” ዝገዝእ እንተዝርክበ ከምኡ ምግባር ቀሊልን ግቡእን ምኾነ” ክብል በርግማን ገሊጹ። ኣብ ክንዳኡ እቲ ፕላስቲክ ምስ ከምኒ ነዳዲ ዝመስሉ ካልኦት ተቓጸልቲ ባእታታት ከም ዝቃጸልን እዚ ዝያዳ ኣኽሳቢ ምዃኑን እንተኾነ ኣከባብያዊ ጽልዋ ከም ዘለዎን ድማ ተገሊጹ። እንተኾነ ግና እዚ ናይ ቤልጄም ውድብ ፌቡላቶ ኣብ ቤልጄም 60% ፕላስቲክ ዝተደርበያ መካይን ሓደስቲ ፍርያት ንምስራሕ ከም ዝጠቅም ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com