Saturday , May 18 2024

ምትካል ወርቃዊ ድልድል (ቢንቶ) ስቶኮልም ኣብ ዝመጽእ ክልተ መዓልታት ክፍጸም እዩ።

ብ መስረት ኣብ ከባቢ ሱሉሰን ከተማ ስሉሰን ዳግማይ ዝተዓራረ ዘሎ ዓቢ ድልድል ወይ ቢንቶ ኣብ ከም መሰጋገሪ ኮይኑ ዘገልግል ወርቃዊ ድልድል ናብ ማእከላይ ስቶክሆልም ኣብ ዝመጽእ ክልተ መዓልታት ዘድሊ ኣዕኑድ ብምቕራብ ክፋል ሶደርማልም (Sodermalm) ምስ ጋምላ ስታን (Gamla Stan) ኣብ ምርኻብ ከም ዝዛዘም ተፈሊጡ። ብምኽንያት ደሚቕ ቢጫ ሕብሩ እቲ ድልድል ወርቃዊ ዝብል ስም ከም ዝጠበቖ ይፍለጥ። እቲ ቀጻሊ ምስጥጣም እቲ ድልድል ሓዲሽ መደበር ኣውቶቡስን ዝተመሓየሸ ናይ ማይ መትረብን ዘጠቓልል ኮይኑ ክሳብ 2025 ክዛዘምን 12 ቢልዮን ክሮና ሽወደን ክውድእ ከም ዝኽእልን ድማ ተፈሊጡ። እዚ ሓድሽ ድልድል 140 ሜትሮ ዝንውሓቱ ኮይኑ ክሳብ 34000 ኲንታል ዝምዘን እዩ ተባሂሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com