Saturday , May 18 2024

ምኽሪ ንዓበይቲ ብዛዕባ ጥዕና

ብዙሓት ኣባጽሕ፡ ውሕድ ዝበለ ጽዑቕ ስብሒ (mättat fett) እንተ ዝምገቡ፡ ጽቡቕ ጥዕና ምሃለዎም። ጽዑቕ ስብሒ፡ ኣብቲ ካብ እንስሳታት ዝስራሕ መግቢ ይርከቡ። ንኣብነት፡ ካብ ሓፊስ ጸባ: ርግኦ: ጠስሚ: ፎርማጆ: ስቡሓት ፍርያት ስጋ: ስብቆ: ጀላቶን ችኮላታን። ካብ ገለ-ገለ ኣትክልቲ ዝወጹ ቅብኣታት፡ ንኣብነት ከም ዘይቲ ዓካትን ስየን (kokos- och palmolja)’ውን ይርከብ’ዩ። ጽዑቕ ስብሒ፡ ሕማማት ልብን ሻምብቆታት ደምን ናይ ምሕማም ሓደጋ ከዛይድ ይኽእል’ዩ።

ዘይጽዑቕ ስብሒ (Omättat fett)፡ ንኣካላት ወድሰብ ጽቡቕ’ዩ። ሓደጋ ሕማማት ልብን ሻምብቆታት ደምን ክንኪ ድማ ይኽእል። ዘይጽዑቕ ስብሒ፡ ኣብ ዝበዝሑ ኣሕምልታውያን ቅብኣታት፡ ኣብ ልምሉማትን ፈሰስትን ቅብኣታት መግቢ፡ ኣብ ዓሳ፡ ኣብ ዓካዓካን (nötter) ሉዝን (mandlar) ይርከብ።

ኣብ ፍረታትን ኣሕምልትን፡ ብዙሓት ንኣካላት ወድሰብ ዘድልዩ ንጥረ ነገራት፡ ንኣብነት ከም ቪታሚናት፡ ማዕድናትን ጽሕጎን ኣለዉ። ጽሕጎ፡ ኣብ ካሮቲ፡ ብሮኮሊ፡ ዓይኒ ዓተርን ካውሎ ካቡቺን ዝኣመሰሉ ኣሕምልቲ ይርከብ። መዓልቲ-መዓልቲ ፍረታትን ኣሕምልትን ምብላዕ ጽቡቕ’ዩ።

ኣብ ዓሳታትን ፍርያት እንስሳታት ባሕርን(skaldjur)፡ ቪታሚናትን ማዕድናትን ይርከቡ። ኣብ ዓሳ፡ ኦሜጋ-3 ዝብሃል ስብሒ ኣሎ። ኦሜጋ-3፡ ንልቢ፡ ንደምን ንብዝሒ ደምን ጽቡቕ’ዩ።

ሚዛን ክትንኪ እንተ ደሊኻ፡ ሽኮርን ቅብኣትን ዘሎዎም መግብታት ኣይተብዝሕ። ብዙሕ ለስላሳ ምስታይን ከም ብዓል ካራሜላታት፡ ቺፕስ፡ ዶልሽን ችኮላታን ምብላዕ’ውን እንተ ዘየዘውተርካ ግርም’ዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com