Friday , May 17 2024

ምዕጻው መትረብ ስዌዝ፡ ቁጠባዊ ስምብራት ይገድፍ

ብሰንኪ ምዕጋት መትረብ ስዌዝ፡ መዓልታዊ 9.6 ቢልዮን ዶላር ዝዋግኡ ኣቕሑ፡ ናብ ዕዳጋ ይቐርብ ዘይምህላዉ ጸብጻብ መጓዓዝያ መራኽብ ኣመልኪቱ።

ኣብ ማያት መትረብ ስዌዝ፡ በብሰዓቱ ናይ 400 ሚልዮን ዶላር ንግድ ናብ ምብራቕን ምዕራብን ከም ዝሓልፍን ብማእከላይ ገምጋም፡ መዓልታዊ ናይ 5.1 ቢልዮን ዶላር ኣቕሑ፡ ከም ዝሓልፉን ይፍለጥ። ነታ መርከብ ካብ እተዓግተቶ ንምልቓቕ ጻዕርታት ይግበር እኳ እንተሃለወ፡ ምናልባት ሰሙናት ክወስድ ከም ዝኽእል ክኢላታት ይሕብሩ።

መርከብ ኤቨርግሪን፡ ሓንቲ ካብተን ዝዓበያ መራኽብ ጽዕነት ኮይና፡ ክሳብ 20 ሽሕ ኮንቴይነራት ናይ ምስካም ዓቕሚ ከም ዘለዋ ይፍለጥ። ኣብዚ እዋን ብሰንኪ ምዕጋት እዛ መርከብ በዚ መትረብ ክሓልፋ ዝጽበያ ዝነበራ መራኽብ ኣብ ዓብዪ ሽግር ኣትየን ምህላወን እዩ ዝግለጽ ዘሎ። እዚ ንኣፍሪቃን እስያን ዝፈላሊ መትረብ ስዌዝ ኣብ ዓለምና ካብቶም ኣዝዮም ብስራሕ ዝተወጠሩ ቦታታት ምዃኑ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com