Saturday , May 18 2024

ጽቕጥቕጥ ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያታትን . . . ጻውዒት ንሓደስቲ ሃገራውያን መምርሒታትን

ህዝባዊ መጓዓዝያታት፡ ኣብ ኣገደስቲ እዋናት ጥራይ ክንጥቀም ከምዘለና፡ መንግስታዊ መምርሒታት ክመሓላላፉ’ኳ እንተጸንሑ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ሰዓታት ምእታውን ምውጻእን ካብ ስራሕ፡ ዝረአ ዘሎ ጽቕጥቅጥ፡ ኣሰካፊ እናኾነ ምምጽኡ ምምሕዳራት ከባቢታት ሽወደን ከምዝሓበራ SVT ኣቃሊሑ።

ካብ ወርሒ ነሓሰ ጀሚሩ፡ መጠን ብዝሒ ናይቶም ህዝባዊ መጓዓዝያታት ዝጥቀሙ ሰባት ምስ ዝሓለፈ 34 ሳምንታት ክነጻጸር እንከሎ ብዓቢ ከምዝወሰኸን ምስ ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ ግን ዝተሓተ ምዃኑ ጸብጻባት ይሕብሩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ፡ ሰባት፡ ናብ ትምህርቶምን ስራሖምን ስለ ዝተመልሱ ክኸውን ከምዝኽእል ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያታት ዝረአ ዘሎ ጽቕጥቅጥ፡ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ብዓቢ መጠን ክረአ እንከሎ ኣብተን ናእሽቱ ከተማታት ውን እዚ ዝረአ እዩ።

ብዙሓት ሰባት፡ ነቲ ንኣጠቓቕማ ህዝባዊ መጓዓዝያታት ዝምልከት፡ ብመንግስቲ ዝወጸ መምርሒታት ሸለል ይብሉ ከምዘለዉ ዝሓበረ እቲ ጸብጻብ፡ እኹል ኮፍ መበሊ ኣብ ዘይህልወሉ እዋን፡ ህዝባዊ መጓዓዝያታት ክንጥቀም ከምዘይብልና ኣዘኻኺሩ። ኣብ ሰዓታት፡ ናይ ስራሕ ምእታውን ምውጻእን፡ ህዝባዊ መጓዓዝያታት ካብ ምጥቃም ክንቁጠብ ይግበኣና ኢሉ።

ምምሕዳር ከባቢታት ሽወደን፡ ነዚ ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያታት ዝረአ ዘሎ ጽቕጥቅጥ፡ ብወገን መንግስቲ፡ መፍትሒ ክገብረሉን ንገደብ ብዝሒ ናይ ተሳፈርቲ ዝገልጽ መምርሒታት ከመሓላልፍ ጻውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com