Saturday , May 18 2024
A crocodile has trapped himself inside a rubber tire (AP Photo/Aaron Favila)

ሞዛምቢክ፡ ጀላባይ ምስ ሓርገጽ ገጢሙ፡ ብሰላም ወጺኡ

ኣብ ሞዛምቢክ ሓደ ጀላቢ ዓሳ ኣብ ቀላይ ዝኣተወ መርበቡ እናውጽእ ምስ ሓርገጽ ምግጣሙን ብህይወቱ ምውጽኡን መዘራረቢ ኣርእስቲ ኮይኑ’ሎ።

35 ዝዕድሜኡ፡ ጆኦ ኣርማንዶ፡ ብሰንኪ ዝወረዶ መንከስቲ ሓርገጽ ሓንቲ ኣጻብዕቱ ክቚረጽ እንከሎ ኣብ ጸጋማይ እግሩ ድማ ማህሰይቲ ስለ ዝወረዶ ኣብ ሆስፒታል እዩ ዝእለ ዘሎ። ኣብቲ ናብ ዛምቤዚ ዝሕወስ ሩባ ሻየር እናጀለበ እናሃለወ ሓደ ሓርገጽ ንመርበብ መጀለቢኡ ከም ዝቐደደሉ ድማ ይገልጽ።

ነታ መርበብ ከውጽኣ እናተጋደለ እቲ ሓርገጽ ብሓይሊ ጒልበቱ ስሒቡ ናብቲ ማይ ኣእትዩዎ። ድሕሪዚ ድማ ቅልስ ክልቴኣቶም ሰዓበ። እቲ ሓርገጽ ናብቲ ማይ ከእትወኒ እዩ ዝቃለስ ኔሩ። ርድኡኒ ኢለ ምስ ኣእወኹ ሰባት እውጺኦምኒ። ናብ ክሊኒክ ሞሩምባላ ክኣቱ እንከሎ ዝሓከሞ ጠባሕ ሓኪም፡ ኣርማንዶ፡ ኣብ ሃለፍታ ኣትዩ ምንባሩ ይገልጽ።

ኣርማንዶ ንተወሳኺ ሕክምና ናብ ሆስፒታል ክሊማነ ተላኢኹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com