Saturday , May 18 2024
Mozambique's President Filipe Nyusi (UNTV via AP) UNRD107

ሞዛምቢክ . . . ፕረዚደንትን በዓልቲ ቤቱን ብሕማም ኮቪድ ተታሒዞም

ፕረዚደንት ሞዛምቢክ፡ ፊሊፕ ኙሲን፡ ቀዳመይቲ ወይዘሮ፡ ኢሳውራ ኙሲን፡ ብኮቪድ ተታሒዞም ኣብ ውሸባ ምህላዎም ተፈሊጡ።

ፕረዚደንትን በዓልቲ ቤቱን ብመሰረት መምርሒ ጥዕና እታ ሃገር ፖሲቲቭ ኮይኖም ብምርካቦም ዋላ’ውን ምልክታት እቲ ሕማም ኣየርእዩ ኣብ ውሸባ ክጸንሑ ተጌሩ ምህላዉ ካብ ቤት ዝሕፈት ፕረዚደንት እታ ሃገር ዝወጸ ጸብጻብ ኣመልኪቱ’ሎ።

ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ድሕሪ ዝካየድዎ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ኲነታት ጥዕናኦም ክምርምሩ ምውሳኖም እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ኣመልኪቱ።

ኣብ ቀረባ መዓልታት፡ ቊጽሪ ሕሙማት ኮሮና ክውስኽ ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ። ኣብ ሞዛምቢክ 193 ሽሕ ሕሙማት ኮቪድ ምህላዎምን ዛጊት ልዕሊ 2000 ምሟቶምን ስታቲስቲክስ እታ ሃገር ይሕብር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com