Saturday , May 18 2024

ሞጎሳን መቅጻዕትን ንቆልዑ

ቖልዑ ጹቡቕ ዝኮነ ጠባይ ኣብ ዘንጸባርቐሉ ብጉቡእ ኪንምግሶም ይግብኣና ብተወሳኪ ኩሙ እይነት ጠባይ ቐጻሊ ንከንጻባሪቁ ከነተባብዕም ኣሎና። ብኣንጻሩ እንተ ዲኣ ዘይስነ ምግባራዊ ወይ ገጋ ዝኮነ ጠባያት ኣንጸባሪቆም ኪንእርሞምን ኪንቀጽዕምን ይግብኣና።
ግን ከመይ ገርና ኣገባብ ዝሓለወን ዝበለጸን መንገድታት ሞጎሳ ወይ መቕጻዕቲ ነተግብሮም።
ሞጎሳ ንቆልኡ
ኣብ ሓፈሻዊ ዕበት ናይ ቆልዑ ሞጎሳሳ ወይ ኣድናቆት ብጣዕሚ ኣገዳሲ እዩ። ከምኡ እዉን ናይ ቖልዑ ኣእምሮ ንሞጎሳ ብዝያዳ የስተውዕል ካብ ንመግጻዕቲ። እንተ ኮነ በዘይ ኣገባብ እንተ ዲኣ ትጥቀመሉ ኮንካ እቲ ቆልዓ ንክሉ ንጥፈታቱ ሞጎሳ ይደለሉ ወይ እዉን ወልፊ ናይ ሞጎስ ይህልዎ።
ምቕጻዕቲ ንቖልዑ
ሓንሳብ ሓንሳብ ቆልዐ ካብ ስነስርዕት ወጻኢ ዝኮኑ ጠባያት ምስ ዘዘውትር፣ እቲ ዝግብኦ መቕጻዕቲ ኪትህቦ ንግደድ። እንተ ዲኣ ንውላድካ ኣገባብ ዝሓለወን ከይበዝሐን መቅጻዕቲ ትገብረሉ ኮንካ ጎዳኢ ኣይኮነን። ንኣብነት እቲ ቆልዓ ሓደ ነገር ምስ ዝደሊ እሞ ኪኣ ኣገባብ ብዘይብሉ ምንገዲ ምስ ዝሓተካ፣ ነዚኣ ዝደለካያ እንተ ደለካ ብስነስርዐት ገርካ ሕተተኒ፣ እንተ ዘይ ኮይኑ ኣይኪህበከን እየ ወይ እዉን ኣይ ከፍቅደልካን እየ። እንተ ድኣ ስሩዕ ኣገባብ ዘይተጠቂምካሉ መቕጻዕቲ ናቱ ሳዕበናት ኪህልዎ ይኪእል እዩ ።
እንተ ዲኣ አቲ ቆልዓ ቀጻሊ መቅጻዕቲ ዝወርዶ ኮይኑ እዞም ኣብ ታሕቲ ዝተጠቅሱ ከማዕብል ይኪእል
• ነብሰ ምትሓት
• ቱሑት ዝኮነ ናይ ማሕበራዊ ንጥፈታት
• ናይ ፍርሒ ባህርያት
• ቱሑት ውጽኢት ናይ ትምህርቲ
• ቀጻሊ መቅጻዕቲ ዝወርዶም ቆልዓ፣ ቀልጢፍካ ምሕራቅ ወይ እዉን ተጋዲኣ ባህርያት ናይ ምምዕባል ተክእልኦም ብ50 ሚኢታዊት ይዓቢ።
መደምደምታ
ብዝሒ ሞጎሳ ጠቃሚ ኣይኮነን፣ ብዝሒ መቕጻዕቲ ኪኣ ብጣዕሚ ጎዳኢ እዩ። ስለዚ ኣብ ቆልዓ ትቀጺዐሉ፣ ምክንያታዊን ኣገባብ ዝሓለወን ኪከውን ኣለዎ። ኪትርሲዕም ዘይብልካ ኣገባባት መቅጻዕቲ
• ኣብ ዝተወሰነ እዋናቲን፣ ምክንያታውያኒን፣ ሃሳዪ ብዘይ ኮነ መንገዲን ኣተግብሮም
• ንቆልዓ ሞጎሰ ብመጠኑ ኣብዝሕ ኣቢልካ ሃቦ፣ ብኣንጻሩ ዉሑዱን ኣብ ስተወሰ እዋንን መቅጻዕቲ ኣተግብር
• እብ ነብሱ ዝኮነ ማህረምቲ ዝተከተለ ዓይነት ምቅጻዕቲ ከይትጥቀም
• ኣብ ግዜ መቅጻዕቲ እቲ ምክኒያት እንታይ ምካኑ ግለጸሉ
• መጽፋዕቲ ኣወግድ

ምንጪ: Eritreeërs Gezond


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com