Saturday , May 18 2024
Martina Holmberg / TT Den nya lagen börjar gälla 1 juni. Arkivbild

ረኽሲ ግርጻን

ረኽሲ ግርጻን ክንብል ከለና ግርጻንና ይረክስ ማለትና እዩ። ረኽሲ ግርጻን ናብ ከባቢኡ
ከስፋሕፍሕን ኣዝዩ ሓደገኛ ክኸውንን ይኽእል።
ረኽሲ ግርጻን ከመይ ኢሉ ይጅምር
ኣስናንና ብግቡእ ምስ ዘይነጽርዮ ክብዕክኽ ይኽእል። ምብዕካኽ ናይ ኣስናን ክንብል ከለና
ብዙሕ ባክተርያ ዘለዎ ቀጸላ ኣብ ስንና ከም ዘሎ ምልክት እዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ
ስንና ክሕስኽን ክብላዕን ይጅምር። እዚ ድማ ክሳብ ምርካስ ናይ ግርጻን ከኽትል
ይኽእል። ረኽሲ ናይ ግርጻን ምስ ዝስዕርር ድማ ክሳብ ዓጽሚ ምንጋጋ ከስፋሕፍሕ
ይኽእል። ብምኽንያት ረኽሲ ድማ ዓጽሚ ምንጋጋ ክብላዕ ይኽእል። ከም ሳዕቤን ናይዚ
ድማ ኣስናንናን ኮራርምትናን ክነቓነቕ ይኽእልን ክሳብ ምርጋፍ ውን ይበጽሕ። ኣስናንናን
ኮራርምትናን ከይጉድኡ ምእንቲ፡ ረኽሲ ናይ ግርጻን ምስዘጋጥም ብግቡእ ክሕከም
ይግባእ።

ምልክታት ናይ ጥዑይ ግርጻን
– ርዛ (ናብ ቀይሕ ዝኸደ)
– ብራሽ ክንገብር ከለና ይኹን ክንበልዕ ከለና ድማ ኣይደምን

ምልክታት ናይ ዝረኸሰ ግርጻን
– ዘየቋርጽ ሕማቅ ሽታ ናይ አፍ
-ቀይሕ ዝሓበጠ ግርጻን
-ምፍሳስ ደም ካብ ግርጻን
-ቃንዛ ክትሕይኽ ከለኻ
-ምንቅናቅ አስናን
-ተነቃፊ አስናን
-ግርጻን ንላዕሊ ይስብሰብ ወይ ድማ አስናን ነዊሑ ይርኤ

ምልክታት ናይ ዝሳዕረረ ረኽሲ ግርጻን
– ኣብ መንጎ ስንን ግርጻንን ክፍቲ ቦታ ይህሉ
– ብሰንኪ ኣብቲ ረኽሲ ዝርከቡ ባክተርያ ኣዝዩ ሕማቕ ሽታ ኣብ ኣፍና ይፍጠር
– ደስ ዘይብል ጣዕሚ ኣብ ኣፍና

መን ክሕግዘካ ይኽእል?
ብስሩዕ ናብ ሓኪም ስኒ ብምኻድ ምክትታል ናይ ኣስናንካ ክትገብር ኣገዳሲ እዩ። ሓኪም
ስንኻ ረኽሲ ከም ዘለካ ምስ ዘረጋግጽ ድማ ብግቡእ ክሕክመካ ወይ ድማ ናብ ክኢላ ናይ
ክንክን ኣፍ ሪፈር ክብለካ ይኽእል። ኣገዳሲ እንተኾይኑ ድማ ናብ ዝለዓለ ሕክምና ሪፈር
ክብለካ ይኽእል።
ቅድመ ምክልኻል
ነዞም ዝስዕቡ ብምግባር ካብ ረኽሲ ግርጻን ክንከላኸል ንኽእል፣
– ጽቡቕ ዝኾነ ክንክን ኣፍ፣ ንኣብነት 2 ወይ 3 ግዜ ኣስናንና ምብራሽን ፍሎስ
ምግባርን።
– ብስሩዕ ናብ ሓኪም ስኒ ብምኻድ ክትትል ምግባር
– ብራሽ ክትገብር ከልኻ ግርጻንካ ምስ ዝደምይ ብራሽ ምግባር ኣይተቋርጽ። ጠንቂ
መድመይቲ ኣብ ኣስናንና ዘሎ ብዕኻኽ ስለ ዝኾነ እዚ ድማ ክእለይ ይግባእ። ስለዚ
ደም ሪአ ኢልካ ምብራሽ ኣይተቋርጽ።
ንተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ ፌይስቡክ ዝርከብ ፖስት ብዛዕባ ምብራሽ ኣስናንን ሓኪም ስንን
ዝምልከት ክትከታተል ትኽእል።

ምንጪ: Eritreeërs Gezond


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com