Friday , May 17 2024

ሩስያዊ ጸረ ኮሮና ክታበት፡ ኣድማዒ ምዃኑ፡ ሓደ ኤውሮፓዊ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ

ብስም ‘’ስፑትኒክ ቪ’’ ዝፍለጥ ሩስያዊ ጸረ ኮሮና ክታበት፡ ኣድማዕነቱ ክሳብ 91.6% ክበጽሕ ከምዝኽእል፡ ትማሊ ሰሉስ፡ ዚ ላንሲት ዝተባሃለ ሕክምናዊ መጽሔት፡ ነቲ ብብሕታውያን ተመራመርቲ ዝተረጋገጸ ውጽኢት ከምዘቃለሐ ተፈሊጡ።

ውጽኢት ናይ ጸረ ኮሮና ክታበት፡ ስፑትኒክ ቪ፡ ንጹርን ብሳይነሳዊ መርተዖታት ዝተሰነየን እዩ ዝበሉ፡ ክልተ እንግሊዛውያን ክኢላታት’ቲ ዓውዲ ዝኾኑ፡ ፕሮፌሶር ኢያን ጆንዝን ፖሊ ሮይን፡ እቲ ክታበት፡ ኣብቲ ኣንጻር ኮሮና ቫይረስ ዝግበር ቃልሲ፡ ተወሳኺ ጸረ ኮሮና ክታበት ክኸውን እዩ ኢሎም።

ብኻልእ ወገን፡ ሩስያ፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ፡ ኣስታት 700 ሚልዮን ሰባት፡ ብጸረ ኮሮና ክታበት፡ ስፑትኒክ ቪ፡ ክትከትብ ከምእትኽእል ሓቢራ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com