Friday , May 17 2024
Russian Foreign Minister Sergei Lavrov (Jean-Christophe Bott/Keystone via AP) KEY129

ሩስያ፡ ኲናት ዩክሬይን ከም ዘይትደሊ ገሊጻ

ፕረዚደንት ኣመሪካ፡ ጆ ባይደን፡ ሩስያ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ንዩክሬይን ክትወርር ትኽእል እያ ብምባል መጠንቀቕታ ድሕሪ ምትሕልላፉ፡ ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ሩስያ፡ ሰርጌይ ላቭሮቭ’ ምስ ዩክሬይን ዝኾነ ኲናት ከም ዘይደሊ ገሊጹ’ሎ።

ላቭሮስ ብዓርቢ ንማዕከናት ዜና ሩስያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ክረምሊን ምስ ኪዬቭ ኣብ ኲናት ክትኣቱ ድሌት ከም ዘይብላ እንተኾነ ግና እዚ ማለት ሩስያ ንጸጥታዊ ረብሓኣ ሸለል ክትብል እያ ማለት ተጌሩ ክውሰድ ከም ዘይብሉ ኣስሚሩሉ።

ሩስያ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት፡ ገዚፍ ሰራዊት ናብ ዶብ ዪክሬይን ድሕሪ ምጽግዓ፡ ናብ ኔቶን ኣመሪካን ስፍሕ ዝበለ ወተሃደራዊ ጠለባት ምቕራባ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብሓሙስ፡ ካብ ክልቲኦም መልሲ ከም እተዋህባ ተገሊጹ።

ሩስያ፡ ብቐንዱ ኔቶ፡ ነታ ጐረቤት ሩስያ ዝኾነት ዩክሬይን ኣባል እቲ ኪዳን ንኸይትኸውን ክእግዳ ኣለዎ ዝብል ጠለብ እያ ኣቕሪባ። እንተኾነ ነዚ ዘቕረበቶ ሕቶታት ተስፋ ዝህብ መልሲ ከም ዘይተዋህባ እኳ እንተገለጸት እዚ ምልልሳት ኣብ ኻልኣዊ ጒዳያት ንምዝርራብ ባይታ ከንጽፍ ከም ዝኽእል ኣመልኪታ’ላ። እዚ እናኾነ፡ መራኽብ ውግእ ሩስያ፡ ኣብቲ ካብ ዩክሬይን ብሸነኽ ደቡብ ዝርከብ ጸሊም ባሕሪ ልምምዳት ይገብራ ምህላወን ሚኒስተር ምክልኻል ሩስያ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com