Sunday , May 19 2024

ሩስያ ጥቓ ሽወደን ዝነበራ ወተሃደራዊ ህላወ ዳግማይ ትሃንጽ

Credit: Pontus Lundahl/TT

ሩስያ ኣብ ቀረባ እዋን ጥቓ ሽወደን ዝጸንሓ ወተሃደራዊ ህላወ ዳግማይ ከተቐውም ምዃና ኣገልግሎት ወተሃደራዊ ስለያን ጸጥታን ሽወደን ዘውጽኦ ሓድሽ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። ሽወደን ምስ ተጻባኦን ናይታ ክትግምታ እተጸግም ሩስያ ንምግጣም ድልውቲ ክትከውን ከምዘለዋ ዳይረክተር እቲ ትካል ቶማስ ኒልሶን ገሊጹ’ሎ። ኣብ ልዕሊ ሽወደን ይዂን ብሽወደን ኣቢሉ ኣንጻር ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲን–ኔቶ– ዝግበር ስለያ ቀዳማይ ስግኣት ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ’ሎ። ሽወደን ዛጊት ዝዓበየ ፓኬጅ ወተሃደራዊ ሓገዝ ናብ ዩክሬን ክትሰድድ መደብ ከም ዘለዋ ተፈሊጡ። እዚ 7.1 ቢልዮን ክሮና ዝግመት ፓኬጅ፡ ቅልጡፍ መጥቃዕቲ ዝፍጽማ ወተሃደራዊ ጀላቡ፡ ነተጉቲ፡ ቶርፒዶ፡ ተተኮስቲ መዳፍዕን ካልእን ዘጠቓልል እዩ። ሚኒስተር ምክልኻል ፓል ጆንሰን ንዩክሬን ደገፍ ምሃብ እውን ኣብ ድሕነት ሽወደን ዝግበር ወፍሪ ምዃኑ ይዛረብ። እዚ እናኾነ ኣብ ሽወደን ዝርከቡ ሩስያውያን ንሞት ኣሌክሲ ናቫልኒ ኣመልኪቶም ግብረ መልሲ ይህቡ ምህላዎም ተፈሊጡ። ሞት ሩስያዊ ፖለቲካዊ ኣክቲቪስትን ነቓፊ ፑቲንን ኣሌክሲ ናቫልኒ ብዓርቢ ካብ ዝግለጽ ንደሓር፡ ኣብ ሩስያ ተቓዋሚ መንግስቲ ዝኾነ ሰልፊ ኣቚምካ ምንባር ይከኣል እዩ ዝብል ሕቶታት ኣለዓዒሉ’ሎ። ኣሌክሲ ካሪክ ኣብ 2021 ናብ ሽወደን ዝመጸ ሩስያዊ ኮይኑ፡ ንስርዓት ፑቲን ዝቃወም እዩ። ንሱ ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ቃልሲ ንዲሞክራሲ ክቕጽል ምዃኑ ሓቢሩ’ሎ። “ እዚ ተኸሲቱ ፍጻመ መወዳእታ ዲሞክራሲ ኣይኮነን፡ ዴሞክራሲ ሓሳብ እዩ። ሰብ እምበር ሓሳብ ኣይመውትን’ዩ” ይብል።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com