Friday , May 17 2024
A member of medical personnel works testing patient samples for COVID-19 at the Rwanda Biomedical Center in the capital Kigali, Rwanda, (AP Photo) NAI109

ሩዋንዳ፡ ብልዑል ስግኣት ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና፡ ዕጽዋ ኣዊጃ

ብሰንኪ ኣብታ ሃገር እናበዝሐ ዝመጸ፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮቪድ፡ መንግስቲ ሩዋንዳ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ፡ ኪጋሊ፡ ናይ 10 መዓልታት ዕጽዋ ክጸንዕ ኣዊጁ ክብል ቢቢሲ ገሊጹ።

ነበርቲ ኪጋሊ፡ ካብ ዝመጽእ ቀዳም ጀሚሮም ክሳብ 26 ሓምለ ካብ ቤቶም ክይወጹ ተኣዚዞም ኣለዉ። ብዘይካ’ዚ ናይ ንግዲ ቦታታት፡ ህዝባዊ ኣገልግሎታትን መጓዓዝያን ሓዊስካ ንጥፈታት ምዝንጋዕ ስፖርትን ኣብያተ ትምህርቲን ደው ክብሉ እዮም። ካብ 15 ሰባት ንላዕሊ፡ ኣብ ናይ ቀብሪ ስነስርዓት ከይሳተፉ፡ እውን ኣጊዱ’ሎ እቲ ኣዋጅ። ሰባት ንኣዝዩ ኣገዳሲ ንጥፈት እንተዘይኮይኑ ካብ ቤቶም ከይወጹ ተኣዚዞም ኣለዉ።

ኣብ ዝሓለፋ ኣርባዕተ ሳምንታት፡ ቊጽሪ ናይቶም በዚ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት እናወሰኸ ምምጻኡ ዘመልከተ እቲ ሓበሬታ፡ ደልታ ዝተባህለ ሓደገኛ ጅር እቲ ቫይረስ፡ የስፋሕፍሕ ምህላዉ ንሰብመዚ ጥዕና እታ ሃገር ብምጥቃስ ወሲኹ ገሊጹ።

ሃገረ ሩዋንዳ፡ ዛጊት 400ሽሕ ሰባት ጸረ ኮቪድ ምኽታባ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ ድማ 600 ሰባት ምሟቶም ተመልኪቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com