Friday , May 17 2024

ሩዋንዳ: ተቓዋሚ መንግስቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተቐቲሉ

ውሩይ ፖለቲከኛን ተቓዋሚ መንግስቲ ሩዋንዳን ሰይፍ ባምፖሪኪ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከም እተቐትለ ተገሊጹ። ንሱ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብስደት እዩ ዝቕመጥ ኔሩ።

ንሱ ቅድሚ ምቕታሉ ኣብ ኬፕ ታውን ካብ መኪናኡ ክወርድ ከም እተገብረ ፖሊስ ገሊጾም።

ኣፈናዊ መርመራታት ከም ዘመልክትዎ ምናልባት ብሰረቕቲ ተቐቲሉ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ጠርጠራታት ምህላዉ ፖሊስ ሓቢሮም። እንተኾነ ግና ሰልፊ ባምፖሪኪ—ሃገራዊ ባይቶ ሩዋንዳ እቲ ድርኺት መቕተሊ ግልጺ ከም ዘይኮነ ኣሚቱ’ሎ።

ሩዋንዳ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብስደት ዝነብሩ ተቓወምቲ መንግስቲ ዕላማ ትገብር ኣላ ዝብል ክሲ ክቐርበላ ጸኒሑ’ሎ።

ሩዋንዳ ንዂሉ ክሲታት ኣይወዓልክዎን ክትብል ውዱቕ ጌራቶ’ላ።

ባይቶ ሩዋንዳ ኣብ ስደት ዝቖመ ሰልፊ ኮይኑ ፕረሲደንት ካጋመ ጨቋኒን ተቓውሞ ዘይጻወርን እዩ ክብሉ ይነቕፍዎ።

ባምፖሪኒ ኣብ ኬፕ ታውን መሸጣ ዓራት ከም ዝውንንን ዝተቐትለላ መዓልቲ ዓራት ናብ ዓማዊል ንምብጻሕ ብመኪና ይጓዓዝ ከም ዝነበረን ክልተ ሰባት ከቲሮም ከም ዝቐተልዎን ፖሊስ ገሊጾም ኣለዉ።

“መዋቲ ካብ መኪናኡ ብሓይሊ ክወርድ ተጌሩ ከም ዝተቐትለ ምስኡ ዝነበረ 50 ዝዕድሜኡ መካይድቱ ግና ሃዲሙ ምምላጡ ቢቢሲ ሓቢራ።

እቶም ጥርጡራት እዚ ገበን መኪና መዋቲ ሒዞም ምህዳሞም ዝገለጹ ፖሊስ ምኽንያት መሞቲኡ ዝምታ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ጠርጠራና ዘራጒድ እዩ ኢሎም።

ኣፈኛ ሰልፊ ባይቶ ብሩዋንዳ ግና እቶም ቀተልቲ ኣብ መኪናኡ እናሃለወ ብረቶም ብማዕጾ ኣሕሊፎም እዮም ቀቲሎሞ እዩ ዝብል።

እዚ ቅትለት ዝተፈጸመሉ ኒያንጋ ዝገባህለ ኣደባባይ ካብቶም ኣብ ኬፕታውን ዝርከቡ ዝኸፍኡ ናይ ገበን መናሃርያታት ምዃኑ ጸብጻባት ይሕብሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com