Monday , May 20 2024

ሪያል ሶሰይዳ ብ ክልተ ሾቶታት ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ተሓጊዛ ን ሪያል ማድሪዳ ገሊፋታ!!

ሎሚ ምሸት ኣብ ዝተኻየደ ግጥም ርብዒ ፍጻሜ ኮፓ ዲ ረይ ስጳኛ ሪያል ሶሰይዳ ናብ ሜዳ ሪያል ማድሪድ ከይዳ ኣብ ዝገበረቶ ጸወታ ን ርያል ማድሪዳ ብ ክልተ ሸቶታትን ሓንቲ ንቐረብ ዝገበረ ኣሌክሳንደር ኢሳቅ 4 ብ 3 ብምስዓራ ናብ ዝቕጽል ግጥም ሓሊፋ።

ኣብዚ ሎሚ ምሸት ድንቂ ጸወታ ዘርኣየሉ ምሸት ካብ ብዙሓት ማእከናት ዜና ከም ጎል ዶት ኮም (Goal.com) ቪያ ፕለይ ሽወደን ብዙሕ ወደሳን፣ ሓደ ካብ ኾኸብ መንእሰያት ኤውሮጳ ብምባል ክገልጽኦ ኣምሴን ኣለዋ። ኣሌክሳንደር ኢሳቅ ኣብ ጽቡቕ ቖመና ዝረከብ ኮይኑ ስጋብ ሕጂ ካብ ዘካየደ 11 ጸወታታት 11 ሸቶታት ብምምዝጋብ ሽወድን ኣብ ክራማት ንዝህልዋ ውድድር ኤውሮጳ ካብ ኢሳቕ ቡዙሕ ከምትጽበ ይግለጽ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com