Tuesday , March 19 2024
Foto: Christine Olsson / TT / Kod 10430

ሬድዮ ሽወደን ብቋንቋ ዩክሬይን ኣገልግሎት ክትህብ እያ።

ካብ ዝቕጽል ሰሙን ኣትሒዛ፡ ሬድዮ ሽወደን ብቋንቋ ዩክሬይን ኣገልግሎት ምሃብ ክትጅምር እያ ተባሂሉ። ሬድዮ ሽወደን፡ ጒዳይ ኲናት ይክሬይን ዝጽብጽብ ራሻ ፖድካስት ዝተሰምየ ፕሮግራም ምትእትታዋ ዝፍለጥ እዩ።

እዚ ብቋንቋ ዩክሬይን ዝመሓላለፈ መደብ፡ ኣብ ውሽጣዊ ዜናታት ሽወደን ዘተኲር ኮይኑ፡ ነቶም ድሕሪ ቅሉዕ ወራር ሩስያ ናብ ሽወደን ዝኣተዉ ኣስታት 32,500 ስደተኛታት ሸቶ ዝገብር እዩ ተባሂሉ’ሎ። “እዞም ስደተኛታት፡ ዜናታት ብቋንቋ ኣዴኦም ክሰምዑ ኣድላዪ እዩ፡፡ ብዘይካዚ፡ ኣብ ብርክት ዝበሉ ኣገደስቲ ጒዳያት ሕረተሰብ ኣድላዪ ሓበሬታ ብቋንቋኦም ክረኽቡ ንምሕጋዝ፡ ተባሂሉ እዩ ቆይሙ” ክትብል፡ ኣብ ሬድዮ ሽወደን ሬድዮ ፒ 2 ኤላ ፒተርሰን ገሊጻ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com