Friday , May 17 2024
Region Stockholm opens booking for a third dose of vaccine for all births in 1961 and earlier Foto Fredrik Sandberg / TT kod 10080

ርብዒ ቢልዮን ካብ ህዝቢ ዓለም፡ ብኮቪድ-19፡ ተለኺፎም

ኣብ መላእ ዓለም፡ ብዝሒ ናይቶም ብኾቪድ-19 ዝተለኽፉ ሰባት፡ 250 ሚልዮን ናይቶም ብሰንኪ እዚ ሕማም ዘስዓቦ ጥዕናዊ ሕልኽላኻት ዝሞቱ ድማ፡ 5 ሚልዮን በጺሑ ምህላዉን ጸብጻባት ማዕከን ዜና AFP ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ካብ ወርሒ ታሕሳስ 2019 ጀሚሩ፡ ኤውሮጳውያን ሃገራት፡ ብ76 ሚልዮን፡ ዝለዓለ መጠን መልከፍቲ ዘመዝገባ እየን።

መጠን መልከፍቲ ኮቪድ-19 ክጎድል ድሕሪ ምርኣዩ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ እቲ ምስፍሕፋሕ ከምእንደገና ክልዕል ተራእዩ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ሸውዓተ መዓልታት፡ ኣስታት 449 ሽሕ ካብ ህዝቢ ዓለም፡ ብኮቪድ-19 ከም ዝተለኽፉ ጸብጻባት ውድብ ጥዕና ዓለም ይገልጹ። ምስቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዝነበረ ክነጻጸር እንከሎ፡ መጠን መልከፍቲ፡ ብ10% ከምዝወሰኸ፡ እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com