Friday , May 17 2024

ርእሰ ከተማ ሽወደን ንምዕጻዉ መንግስቲ ኣብ ውሳነ ከምዘይበጽሐ ተፈሊጡ።

ብሰንኪ ብዝሒ ተላባዒ ቁጽርን ምዉታንን ዝተላዕለ ቦታ ሒዛ ዘላ ከተማ ስቶክሆልም ሙሉእ ብሙሉእ ንምዕጻዉ ዘኽእል ስጉምቲ፣ መንግስቲ ገና ዉሳነ ከምዘይበጽሐ ቀዳማይ ሚኒስተር ስቴፋን ሎቨን ሓቢሩ። ንሱ ምስ ኣገልግሎት ተሌቭዥን 4 ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፣ ስቶክሆልም ብብዙሕ ጉዳያት ምስ ከባቢ ዘሎዋ ከተማታት ስለትታኣሳሰር ንግዚኡ መተኻእታ ፍታሕ ስጋብ ዝርከብ፣ ንከተማ ስቶክሆልም ነጺልካ ምዕጻዉ፣ ከምዘየዋጽእ ሓቢሩ።

ጎረቤት ሃገር ፊንላንድ ርእሰ ከተማኣ ዝኾነት ከተማ ሄልሲንኪ ምስ ካልኦት ከተማታት እታ ሃገር ዘራኽባ መስመራት፣ ከምዝዓጸወት ይዝከር።

ከምዝፍለጥ ኣብ ሽወደን ካብቶም ብሕማም ተለኺፎም ዘሎዉ ልዕሊ ክልተሽሕ ሰባት ፍርቆም ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ምዃኖም ይፍለጥ።

ምንጪ ዜና ተተ


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com