Friday , May 17 2024

ርእሰ ከተማ ናይጀርያ፡ ኣብ ተጠንቀቕ ኣላ ተባሂሉ

ሓይልታት ፖሊስ ናይጀርያ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር፡ ኣቡጃ፡ ናይ ፈረስን ሞቶርሳይክልን ቃፍላይ ብምውፋር ነቲ ጂሃዳውያን ኣብታ ከተማ ከውርድዎ እዮም ተባሂሉ ተሰጊኡ ዘሎ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ተጠንቀቕ ኮይኑ ይሕሉ ኣሎ ተባሂሉ።

ኣፈኛ ፖሊስ ናይጀርያ፡ መርየም ዩሱፍ፡ እዚ ወፍሪ ፖሊስ ስለያዊ ሓበሬታ ንምእካብ ምዃኑ ብምሕባር ዜጋታት ከይርበሹ ኣተሓሳሲባ’ላ። “ኣብ ኲጀታትን ዝተፈላለየ ቅርጻ መሬትን እታ ከተማ፡ ሓለዋ ፖሊስ፡ ክዋፈር እዩ። ግብረ ሽበራውያን ንምዕጋት ከኣ ናይ ኣፍራስን ሞቶርሳይክል ኣሃዱ ኣዋፊርና ኣሎና” ኢላ።

ቦኮ ሓራም፡ ኣብታ ከተማ መጥቃዕቲ ከካይድ እዩ ዝብል ፍርሂ ከም ዝነገሰን ማእከላይ ባንክ ናይጀርያ ድማ ኣብ መላእ እታ ሃገር ንዘለዉ ኣባላቱ ናይ ተጠንቀቕ መልእኽቲ ምትሕልላፉን ቢቢሲ ጸብጺቡ’ሎ። እንተኾነ ግን፡ ከምዚ ዝበለ ቤላቤለው ኮነ ኢልካ ሽበራ ንምፍጣር ዝዝርጋሕ ዘሎ እዩ ክብል ፖሊስ እታ ሃገር ኣዋዲቕዎ’ሎ።

ቦኮ ሓራም፡ ኣብ ወረዳታት ኮሬን ሺሮን ባንዴራኡ ምትካሉን በዚ ድማ ኣቡጃ እውን መጥቃዕቲ ክወርዳ ከም ዝኽእል ኣመሓዳሪ ክልል ኒጀር፡ ኣቡበከር ሳኒ ቤሎ፡ ኣቐድም ኣቢሉ ገሊጹ ኔሩ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com