Friday , May 17 2024

ሰለስተ ሓካይምን ክልተ ተሓጋገዝቲ ሓኪምን ኣብ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ከምዝርከቡ ተሓቢሩ።

ኣብ ስቶክሆሎም ዝርከብ ሆስፒታል Sodersjukhuset ዝሰርሑ ሰለስተ ሓካይምን ክልተ ተሓጋገዝቲ ሓኪምን ኣብ ትሕቲ ኣሃዱ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል’ቲ ሆስፒታል ዝርከቡ ብሓገዝ ማሽን ዘስተንፍሱ ዘለዉ ኮይኖም፡ ሓደ ካብኣቶም ናይ ምምሕያሽ ምልክታት የርኢ ስለዘሎ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ናብቲ ዝፎኸሰ ኣሃዱ ክሰጋገር ተስፋ ንገብር ክትብል ዝለዓለት ሓኪም’ቲ ሆስፒታል፡ ክላራ ስትሮምቢሪ፡ ንተለቪዥን ሽወደን ሓቢራ።

ክሳብ ሕጂ ክንደይ ካብ ኣባላት ኣገልግሎት ጥዕና ብቫይሮስ ክሮና ተለኺፎም ከምዘለዉ ዝፍለጥ የለን ክትብል ስትሮምቢሪ ብተወሳኺ ሓቢራ። ኣባላት ኣገልግሎት ጥዕና፡ እኹል ናውቲ መካላኸሊ ከምዘየለ ኣቐድም ኣቢሎም ኣጠንቂቖም ከምዝነበሩ ይዝከር። ኣብ ሽወደን ብሰንኪ ብርቱዕ ሃልኪ ናይ ናውቲ መከላኸሊ፡ ኣብ መኽዘን’ታ ሃገር ሕጽረት ናይ ናውቲ መከላኸሊ ከምዘጋጠመ ኣብ ምምሕዳር ማሕበራዊ ጉዳያት ሽወደን ሓላፊት ድንጋገ፡ ዮሃን ሳንድዋል፡ ሎሚ ኣብ ዝገበረቶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢራ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com