Friday , May 17 2024

ሰለስተ ካብ ዓሰርተ ሰባት፡ ክልተ እብረ ክታበት ዝተኸትቡ እዮም

ኣብ ሽወደን፡ መስርሕ ክታበት ጸረ ሕማም ኮቪድ-19፡ ብጽቡቕ ይቕጽል ከም ዘሎ በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
ክሳብ ሕጂ፡ 4,290,143 ሰባት፡ እንተወሓደ ሓደ እብረ ክታበት ወሲዶም ከምዘለዉን እዚ ድማ 52.4% ካብ ብዝሒ ልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ ሽወደናውያን ከምዝኾነ፡ ጸብጻባት ሃገራዊ መዝገብ ክትባት ይሕብሩ።
ካብቶም ዝተኸትቡ ሰባት፡ እቶም ክልተ እብረ ክታበት ዝወሰዱ 2,381,603 እዮም። እዚ ድማ 29.1% ካብ ብዝሒ ልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ ሽወደናውያን እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com