Monday , May 20 2024
Foto: Henrik Montgomery / TT kod 10060

ሰልፊታት ሓምላይን ጸጋማይን ኣብ ገምጋም ድሕነታዊ ጸብጻብ ከም ዘይሰማምዑ ገሊጾም።

ካብ ሸሞንቲአን ሰልፊታት ባይቶ ሽወደን እቶም ዝበዝሑ፡ ብዓርቢ ንዝወጸ ትንታነ ሃገራዊ ድሕነት ክቕበልዎም እንከለዉ፡ ሰልፊታት ሓምላይን ጸጋማይን ግና፡ ኣብ መደምደምታታት እቲ ዳህሳስ ከም ዘይሰማምዑ ገሊጾም ኣለዉ።

እዚ ጸብጻብ፡ ሽወደን ኣባል ኔቶ ክትክውን ኣለዋዶ የብላን ኣብ ዝብል ጒዳይ፡ መርገጺ ኣይወሰደን፡፡ እንተኾነ ግና፡ ኣባል ናይዚ ወተሃደራዊ ሽርክነት ምዃን ዝህቦ ረብሓታት ኣጒሊሒ ገሊጹ እዩ። ነዚ እየን ድማ፡ ክልቲአን ሰልፊታት ተቓዊመን ዘለዋ። እዚ ጸብጻብ፡ ብዛዕባ ኔቶ “ኣመና እወታዊ እዩ”፡ ዝብል መርገጺ ከም ዘለዎ ኣባል ጸጋማይ ሰልፊ ሆካን ስቨነሊንግ ገሊጹ’ሎ። ፊንላንድ ናብ ኔቶ ክትጽንበር እንድሕር ወሲና፡ ሰልፊ ዴሞክራሲ፡ ሽውደን ተመሳሳሊ ስጒምቲ ንኽትወስድ ከም ዝድፍእ ክገልጽ ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com