Monday , May 20 2024

ሰልፊ ሞደራትና ጥብቕ ዝበሉ ሕጊታት ፍቓድ ኢመግረሽን ስራሕ ኣብ ግብሪ ክውዕሉ እማመ ኣቕሪቡ።

ዓቃባዊ ለዘብተኛ መርገጺ ዘለዎ ሰልፊ ሞደራትና ንሳቶም ዘይግቡእ ንዝበልዎ ኣታሕዛ ስርዓት ንምውጋድ ሕጊታት ፍቓድ ስራሕ ኢሚግሬሽን ጥብቕ ዝበሉ ንኽኾኑ እማመ ምቕራቦም ተገሊጹ። ብሰንበት ኣብ ዝተኻየደ ጋዜጣዊ ዋዕላ መራሒ ሰልፊ ሞደራትና ኡልፍ ክሪስተርሰን ኣብ መደረኡ ልዑል ሞያ ዘለዎም ሰባት ብቐሊሉ ስራሕ ንኽረኽቡ በንጻሩ ትሑት ክእለት ዘለዎምን ነብሶም ክኣልዩ ዘይክእሉ ሰባት ንምጒዳል መታን ክከኣል ለውጢታት ብምትእትታው ነቲ ስርዓት ንምድሓን ይሰርሕ ምህላዉ ገሊጹ’ሎ።

ብርክት ዝበሉ ካብዞም እማመታት ኣብ ሶሻል ዴሞክራሲ፥ ሓምላይ ሰልፊ፥ ማእከላይ ሰልፊን ሊበራላውያንን ኣርእስቲ ዘተ ኰይኖም ምህላዎም ዝፍለጥ እዩ። ገምጋም ህሉው ሕጊታት ኣብ ዝሓለፈ ስምምዕ ጥሪ ዝተኻየደ ኰይኑ ካብ ዝመጽእ ዓመት ጀሚሩ ሓደስቲ ሕጊታት ከተኣታቱ ምዃኑ ቃል ምእታዉ ዝዝከር እዩ። ይዂንምበር እቲ ገምጋም ምድንጓዩን ብሰልፉ (ሰልፊ ሞደራትና) ዝቐረበ እማመታት ነዚ ለውጢ ከሳልጦ ተስፋ ከም ዘንበረን ኡልፍ ክሪስተርሰን ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com