Saturday , May 18 2024
Stina Stjenrkvist / TT / kod 11610

ሰልፊ ቨንስተር፡ ኣባላት ሓለዋ ጥዕና ተወሳኺ ናይ ሓደ ሰሙን ዕረፍቲ ንኽወሃቦም ይሓትት።

ቁጽሪ ኣባላት ኣሃዱ ጥዕናን ኣባላት እንዳ መናበይ ዓበይቲን ንምውሳኽ ንነዊሕ ዝዓለመ ወፍሪ ክካየድ ከምዘለዎን ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ሞሳ ናይቲ ኣባላት ኣሃዱ ጥዕና ዝገብርዎ ዘለዉ ተወሳኺ ናይ ሓደ ሰሙን ዕረፍቲ ንኽወሃቦም ሰልፊ ቨንስተር ጸዊዑ። ሰልፊ ቨንስተር ነዞም ኣብዚ ከቢድን ዘይንቡርን ግዜ ሂወቶም ኣብ ቀዳማይ መስመር ሰሪዕም ብሕማም ኮቪድ-19 ዝተጠቕዑ ንኸድሕኑን ኣንጻር’ዚ ሕማም ዝቃለሱ ዘለዉ ኣባላት ኣሃዱ ጥዕና ዓስቦም ንኽኸፍሎም ድልየት ከምዘለዎ ሓላፊ’ቲ ሰልፊ፡ ጆናስ ኾስቲድ፡ ብኣጋጣሚ መዓልቲ ሰራሕተኛታት ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ጋዜጣዊ ዋዕላ ሓቢሩ።

ነዞም ኣባላት እቲ ዝግባእ ምስጋናና ክነርእዮምን ንቐጻሊ ድማ ተወሰኽቲ ኣባላት ንኽጽንበርዎም ዘኽእል መንገዲ ከነናዲ ይግባእ ኢሉ። ዋጋ ናይ’ቲ ዝሕተት ዘሎ ናይ ሓደ ሰሙን ዕረፍቲ ክሳብ 4 ቢልዮን ክሮነር ዝበጽሕ ኮይኑ፡ እዚ ድማ ካብቲ ንኣባላት ሓለዋ ጥዕናን ከምኡ ውን ንኣባላት እንዳ መናበይ ዓበይቲ ተባሂሉ ብሰልፊ ቨንስተር ካብ መንግስቲ ዝተሓተተ 25 ቢልዮን ክሮነር ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ። ቅልውላው ቫይረስ ኮሮና፡ ንዝነበረ ብዙሕ ጉድለታት ኣቃሊዑ። ካብዚ ድማ ክንመሃር ይግበኣና ይብል ኾስቲድ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com