Friday , May 17 2024

ሰልፊ ዴሞክራሲ ሽወደን ብዛዕባ ታሪኹ ጸብጻብ ከቕርብ እዩ።

ኣብ 1980ታት፡ ንሰልፊ ዴሞክራሲ ዝመስረቱ ብርክት ዝበሉ ዜጋታት ሽወደን፡ ካብ ሕሉፍ የማናውያን ባእታታት ዝመጹ ዓሌታውያንን ናዚስታውያንን እዮም ኔሮም፡ ክብል እቲ ሰልፊ ን ታሪኹ ኣመልኪቱ ኣብ ዘዳለዎ ቀዳማይ ክፋል ሰነዳዊ ጸብጻቡ ኣመልኪቱ።

እዚ ሰልፊ፡ ካብቲ “ሽወደን ንሽወደናውያን” ዝብል ጭርሖ ዘጋውሕ ዝነበረ ሕሉፍ የማናዊ ምምጽኡን፡ ቀንዲ መለለዪኡ እዚ ዓሌታዊ ጭርሖ ምንባሩን፡ ነዚ ጸብጻብ ዘዳለወ ተመራማሪ ታሪኽ ቶኒ ጉስታፍሰን ገሊጹ። ነዚ ሰልፊ ዝመስረቱ ቀዳማይ ወለዶ ፖለቲከኛታት፡ ብርክት ዝበሉ ምስ ፋሺስታውያን ውድባትን ናዚ ጀርመንን ጥቡቕ ዝምድና ከም ዘነበሮም፡ ተመራማሪ ታሪኽ ጉስታፍሰን ወሲኹ ኣመልኪቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com