Friday , May 17 2024

ሰሙናዊ ጸብጻብ ሽቕለት ኣልቦነት

መጠን ሽቕለት ኣልቦነት፡ ምንቁልቋሉ ይቕጽል ምህላዉ ቤት ጽሕፈት ኣርቤትስፎርሜድሊን ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ 6600 ሰባት ስራሕ ኣልቦ ክኾኑ እንከለዉ፡ 10,500 ሰባት ድማ ናብ ስራሕ ወይ ድማ ናብ ትምህርቲ ከምዝተመልሱ ጸብጻባት እቲ ቤት ጽሕፈት ገሊጹ።

ጠቕላላ ብዝሒ ናይቶም ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት 416 ሽሕ ብምብጽሑ እቲ መጠን፡ ካብ 8.1% ናብ 8.0% ወሪዱ ክብል እቲ ቤት ጽሕፈት ብተወሳኺ ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ 330 ሰባት ካብ ስራሕ ንኽፋነዉ መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com