Saturday , May 18 2024

ሰሙናዊ ጸብጻብ ክታበት ኮቪድ-19

ክሳብ ሕጂ ኣብ ሽወደን፡ ቁጽሪ ናይቶም ክልተ እብረ ክታበት ዝወሰዱ ልዕሊ 12 ዓመት ዝኾኑ ሰባት፡ 7,355,704 በጺሑ ከምዘሎን፡ እዚ ማለት ድማ፡  81.4% ካብ መላእ ልዕሊ 12 ዓመት ዝዕድሚኦም ህዝቢ ሽወደን ምዃኑ፡ መዛግብቲ ሃገራዊ ኣወሃሃዲ ክታበት ገሊጾም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ኣስታት 2,2 ሚልዮን ዝኾኑ ልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ሽወደናውያን ድማ፡ ሳልሳይ እብረ ክታበት ወሲዶም ከምዘለዉን እዚ ማለት ድማ፡ 26.5% ካብ መላእ ቁጽሪ ልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ሽወደናውያን ማለት እዩ።

ኣብ መላእ ሽወደን፡ 1,268,254 ሰባት፡ ብኮቪድ-19 ዝተለኽፉ ኮይኖም፡ ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ ዘስዓቦ ጥዕናዊ ሕልኽላኻት ድማ፡ 15,259 ሰባት ሂወቶም ከምዝሰኣኑ፡ ጸብጻባት በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ይሕብሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com