Saturday , May 18 2024

ሰራሕተኛታት መናበዪ ሽማግለታት ናይ ቋንቋ ምልከት ክህልዎም ሰልፊ ሊበራል ጻውዒት የቕርብ።

ኣብ መናበዪ ሽማግለታት ናይ 100 ሚልዮን ክሮና ተወስኺ ባጀት ክምደበሉ ኣለዎ ክብክ ዝጸውዐ ሰልፊ ሊበራል ሽማግለታት ቀወምቲ ሰራሕተኛታትን ክቚጸሩሎምን ዶክተራት ኣብ ኣባይቶም ወይ ኣብ መናበይኦም ክህልዉን ይግባእ ኢሉ’ሎ። ኣብ ኣባይቲ መናበዪ ዘሎ ኲነታት ክመሓየሽ ሃገራዊ ስትራቴጂ ክንደፍን ዝያዳ ነርሲታት ክቚጸራን ድማ ለበዋ ቀሪቡ።

ሽማግለታት ኣብ ክልተ ሳምንቲ ዝኸውን ግዜ ብማእከላይ ገምጋም 16 ዝተፈላለዩ ሰራሕተኛታት ከም ዝኣልይዎም መራሒ ሰልፊ ኒያምኮ ሳቦኒ ሎሚ ኣብ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ ዋዕላ ምግላጹ ኣገልግሎት ዜና TT ሓቢሩ። ነፍሲ ወከፍ ሽማግለ ዝረኽቦ ሓኪም ካብዚ ዘለዎ ብፍርቂ ክንኪ ከም ዝግባእን ምምዳብ ክንክን ጥዕና ኣባይቲ ሽማግለታት ክጠናኸርን ድማ ጠለብ ኣቕሪቡ’ሎ። ኣብ ኣባይቲ ሽማግለታት ግዳያት ኮሮና ምስ ምዝያዶም መንግስቲ ብተደጋጋሚ ነቐፌታ ከም ዝወረዶ ዝፍለጥ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com