Saturday , May 18 2024
ቅርጺ ክሮና ቫይረስ ስእሊ፥ ማእከል ምክልኻል ሕማማት , EPA / TT

ሰባት ሕጂ’ውን ካብ ቫይረስ ኮሮና ክጥንቀቑ መተሓሳሰቢ ቀሪቡ።

ዳርጋ ኲሎም መምርሒታት ኮቪድ-19 ሎሚ ኣብ ዝተላዕለሉ እዋን እዚ ለበዳ ሕጂ’ውን ን ሰብመዚ ክንክን ጥዕና ዞባታት ዘሻቕል ጒዳይ ኮይኑ ቀጺሉ ምህላዉ ተገሊጹ። ምስ ምልዓል እዚ ሕጊታት ኮሮና ኣብ ዝበዝሓ ኣውራጃታት ሽወደን ብዙሕ ተሸብሸብ ተኣንጎት ዛይዱ ምህላዉ ዝገለጸ ሬድዮ ሽወደን እንተኾነ ግና ሰብ መዚ ጥዕና ኣብ ዝተፈልየ ወጥሪ ዝመልኦ ኲነታት ምህላዎም ኣመልኪቱ።

እዚ ሕማም ኣብ ልዕሊ ጽላት ክንክን ጥዕና ዘውርዶ ዘሎ ጸቕጢ ኣብ ብርክት ዝበላ ኣውራጃታት ሽወደን ይረአ ምህላዉ፡ ብዙሓት ሓካይም ከኣ በቲ ሕማም ተታሒዞም ምህላዎም እታ ሬድዮ ወሲኻ ገሊጻ።.

“እቲ ቫይረስ ሕጂ’ውን ኣብ መንጎና እዩ ዘሎ፡ ስለዚ ድማ ሰባት ምስትውዓል ክገብሩን ነዚ ቫይረስ ካብ ምስፍሕፋሕ ክቚጠቡን ምኽረይ አቕርብ ኣለኹ” ክትብል በዓልቲ መዚ ጥዕና ኣውራጃ ካልማር ላቤ ሳንደሊን ኣተሓሳሲባ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com