Friday , May 17 2024
(AP Photo/Amr Nabil) AMR106

ሰብመዚ ስዑዲ ዓረብ፡ መጒልሒ ድምጺ መሳጊድ ክውሰን ደጊፎም

ሰብመዚ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ፡ ነቲ ሚኒስትሪ እስላማዊ ጒዳያት፡ መጒልሒ ድምጺ መሳጊድ ብሲሶ ድምጺ ክሰርሓ ዝእግድ ውሳነ ከም ዝድግፉ ኣፍሊጦም ኣለዉ።

ሚኒስተር እስላማዊ ጒዳያት፡ ዓብደለጢፍ ኣልሼኽ፡ እዚ ስጒምቲ ዝተወስደሉ ምኽንያት ካብ ህዝቢ ቀጻሊ ጥርዓናት ክመጽእ ብምጽንሑ ምዃኑ ገሊጹ’ሎ። ወለዲ፡ ካብ መሳጊድ ዝወጽእ ብርቱዕ ድምጺ ደቆም ለይቲ ከይደቀሱ ንኽሓድሩ፡ ምኽንያት ይኸውን ምህላዉ፡ ክጠርዑ ምጽንሖም እቲ ሚኒስተር ሓቢሩ።

እቶም ናይ ብሓቂ ክሰግዱ ዝደልዩ፡ ጻውዒት ኢማም ኣይጽበዩን እዮም ክብል እቲ ሚኒስተር ኣብ ተሌቪዥን እታ ሃገር ቀሪቡ ንነቐፌታ ተቓወምቲ ኣዋዲቕዎ’ሎ። ነዚ ንቃወም ኢና ዝብሉ ዘለዉ፡ ናዕቢ ከልዕሉ ዝደልዩ “ጸላእቲ ንግስነት” እዮም ክብል እውን ኣጠንቂቑ።

እንተኾነ ግና፡ እዚ ውሳነ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ፡ ዓብዪ መዘራረቢ ኣርእስቲ ኮይኑ ምህላዉ ይግለጽ ኣሎ። ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ኣብያተ መግቢን ሻሂን ሙዚቃ ብዓውታ ከይውላዕ ዝጽውዕ ናይ ሃሽታግ ምንቅስቓስ ምጅማሩ ተሓቢሩ።

ወራስ ዓራት ስዑዲ ዓረብ፡ መሓመድ ቢን ሳልማን፡ ኣብታ ሃገር ብዙሕ ጽገናታት ብምግባር፡ ሃይማኖት፡ ኣብ ማሕበራዊ ህይወት ዜጋታት ዝጻወቶ ተራ ንኽፎክስ ጻዕርታት የካይድ ምህላዉ ዝዝከር ኮይኑ ብዙሓት ንፖሊሲታቱ ዝቃወሙ ሰባት ከም ዝኣሰረ ጸብጻባት የመልክቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com