Sunday , May 19 2024

ሱዳን፡ ግፍዒ ብምፍጻም ተኸሲሱ ዝነበረ ወተሃደራዊ ኣዛዚ፡ ብምሕረት ለቒቓ

ሱዳን፡ ኣብ ምዕራብ እታ ሃገር፡ ዞባ ዳርፎር፡ ግፍዕታት ብምፍጻሙ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ተኸሲሱ ዝጸንሐ፡ መራሒ ሚሊሻ፡ ብምሕረት ምልቃቓ ቢቢሲ ሓቢራ።

እዚ ሙሳ ሂላል፡ ዝስሙ መራሒ ሚሊሻ ጃንጃዊድ ነበር፡ ብመሰረት እቲ ኣብ መንጎ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳንን ዕጡቓት ጉጅለ ዳርፎርን ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ እተበጽሐ ውዕል ሰላም እዩ ተለቒቑ ዘሎ።

ሂላል፡ ምስ ፕረዚደንት ሱዳን ነበር፡ ዑመር ኣልበሽር፡ ጥቡቕ ዝምድና ዝነበሮ ኮይኑ፡ ድሒሩ ግን ኣብ ዓመተ 2017፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዉ ይፍለጥ።

ኣብ መንጎ ዓረባዊ ሚሊሻ ጃንጃዊድን ኣፍሪቃዊ ማሕበረሰብን ብዝተገብረ ግጭት ኣብ ዳርፎር 300 ሽሕ ዝኾኑ ሰባት ምሟቶም፡ 2.5 ሚልዮን ከኣ ከም እተፈናቐሉ ጸብጻባት የመልክቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com