Saturday , May 18 2024
Vaccination against COVID-19. Foto: Johan Nilsson / TT / Kod 50090

ሳልሳይ እብረ ክታበት ንኽወሃብ፡ ኣብ ምድላዋት ይርከብ

ልዕሊ ፍርቂ ካብ ምምሕዳራት ሽወደን፡ ሳልሳይ እብረ ክታበት ክህባ ጀሚረን ኣለዋ ክብል ብ ማዕከን ዜና TV4  ዝቐረበ ዳህሳስ ብምጥቃስ፡ ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

በዓል መዚ ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን፡ ብዕለት 01 መስከረም፡ ድሕሪ ዘመሓላለፎ ፍቓድ፡ ምምሕዳራት ቨስትራጎትላንድ፡ ኦረብሮ፡ ዮምትላንድ፡ ዮንሾፒን፡ ካልማርን ቨስተርቦተንን ሳልሳይ እብረ ክታበት ክኸትባ ምጅማረን ተፈሊጡ ኣሎ።

ሳልሳይ እብረ ክታበት፡ ነቶም ብሰንኪ ምትካል ኣካላት ወዲ ሰብ (transplants)፡ ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሞም ትሑት ዝኾነ ሰባት፡ ዝወሃብ ከምዝኾነ ተፈሊጡ ኣሎ። እዞም ክፋል ሕብረተሰብ፡ ክልተ እብረ ክታበት ምስ ወሰዱ ውን ትሑት ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ዘርኣዩ እዩም።

ሳልሳይ እብረ ክታበት ክወስድ ዝግበኦ ሰብ፡ ካብቲ ሕክምና ዝገብረሎም ክኢላ፡ ደብዳቤ ክመጾም ምዃኑ ተሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com