Sunday , May 19 2024
Foto: Henrik Montgomery / TT kod 10060

ሳቡኒ ስልጣና ምሕዳጋ ንሰልፊ ሊበራል ዓብዪ ሃስያ ምኹኑ ይግለጽ ኣሎ።

ንያምኮ ሳቡኒ ብፍቓዳ ካብቲ ንሰለስተ ዓመታት ዝመርሓቶ ሊበራላዊ ሰልፊ ብዓርቢ ምውራዳ ፖለቲካ ሽወደን ሓድሽ ቅርጺ ንኽሕዝ ዝድርኽ እዩ ይበሃል ኣሎ።

እቲ ሰልፊ ኣብ መስከረም ኣብ ዝካየድ ሓፈሻዊ ምርጫ እታ ሃገር ብምክትል ጸሓፊኡ ጆሃን ፐርሶን ኣቢሉ ክውከል እዩ ። እንተኾነ ኣብ ኣፋን ዕርበታን ምርጫ እዚ ሰልፊ ብሓድሽ መራሒ ክውከል ምግባር ንፖለቲካዊ ዕድሉ ዘመሓይሽ ድዩ ዝብል ሕቶ ኣለዓዒሉ’ሎ። ምናልባት ነቲ ስልፊ ህላዌኡ ዝፈታተን ብድሆ ክኸውን ከም ዝኽእል ገለ ተንተንቲ ፖአቲካ ስግኣታቶም ቐሚጦም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com